ጀነራላት ሱዳን ዘተ ንኸካይዱ ከምዝተሰማምዑ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ

305

ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን [ሕሜቲ] [ጸጋም] ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን [የማን]

ካብ 15 ሚያዝያ ጀሚረም ኣብ ርሱን ውግእ ተጸሚዶም ዘለዉ ንሰራዊት ሱዳን ዝመርሕ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃንን ንሰራዊት ወሃቢ ህጹጽ ደገፍ ዝመርሕ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎን (ሕሜቲ) ወከልቶም ናብ ስዑድ ዓረብ ሰዲዶም ክመያየጡ ከምዝተሰማምዑ ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ሱዳን፡ ቮከር ፐርተስ ገሊፆም።

ቮከር ትማሊ ኣማስዮም ንኣገልግሎት ዜና ኣሶሸይት ፕረስ ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ እቲ ዘተ ብሃገራውያንን ዓለምለኻውያንን ተዓዘብቲ ተማእኪሉ ክልቲኦም ወገናትቀጻልነትዘለዎ ምቁራጽ ቶኵሲ ንኽግበር ክሰማምዑ ዝዓለመ ምኻኑ ኣብሪሆም።

ክቲኦም ወገናት ዝርዝር ወኪላቶም ኣረኪቦም ኣንተለዉ ነቲ ዘተ ንምክያድ ዘድሊ ሎጂስቲካዊ ቀረባት ግን ገና ይስርሓሉ ከምዘሎ እቶም ሓላፊ ሓቢሮም።

ቮከር ፐርተስ፡ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ክልቲኦም ጀነራላት፡ ሓዲኦምውን ናብ ዓወት እንተበጺሑ፡ ናብቲ ዓወት ንምብጻሕ ብዙሕ ዋጋ ከምዘኽፍል ብምርዳእአንፈቶም ክቕይሩከምዘስተብሃለ ተዛሪቦም።

ኣብ ሱዳን ፍሉይ ልኡኽ ሕቡራት ሃገረት ቮልከር ፐርተስ

ክሳብ ሕዚ እቲ ሰለማዊ ዘተ መዓስን ኣበየናይ ክፋል ናይ ስዑድያን ከምዝካየድ ኣይተገለጸን ቮከር ፐርተስውን እቶም ወከልቲ እዞም ክልተ ጀነራላት ዝራኸብሉ፡ ክልቲኦም ዝሰማምዕሉ ቦታ ክኸውን ከምዘለዎ ኣስሚሩሉ።

ኽልቲኦም ወገናት ንሰለስተ መዓልታተ ዝቅጽል ስምምዕ ምቁራጽ ቶኵሲ እንተገበሩ ኣብ ከተማ ካርቱም ገና ምልውዋጥ ተኵሲ ኣየቋረጸን ዘሎ፡ ጎኑ ጎኑ ከኣ ዝተፈላለዩ ኣካላት ነዞም ክልተ ወገናት ናብ መኣዲ ዘተ ንምምጻእ ጻዕርታት ክገብሩ ጸኒሖምዮም።

ክልቲኦም ወገናት ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተሰማማዕዎ ምቁረጽ ቶኵሲ ካብ ሰንበት ጀሚሩ 72 ሰዓታት ክናዋሕ ኣንተተሰማምዑ፡ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ከተማ ካርቱምን ጥቃ ካርቱም ኣብ እትርከብ ከተማ ኡምዱርማንን ምልውዋጥ ቶኵሲ ክስማዕ ውዒሉዩ።

ኣቀድም ኣቢሉ ብኢጋድ ተማእኪሉ ብፕረዝደንታት ኬንያ፡ ጅቡትን ደቡብ ሱዳንን ንኽልተኦም ወገናት ኣብ ጁባ፡ ደቡብ ሱዳን ንምርኻብ ዝተገበረ ፈተነ፡ ጀነራል ዓብደል ፈታሕ ኣልቡርሃን ከምዝተቐበልዎን ወኪላቲ ክልእኩ ምዃኑን ኣንተሓበሩ፡ ጀነራል ሞሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ ኣብ ልዕሊ ሰራዊተይ ዝግበር ዘሎ ደብዳብ ከይተቋረጸ ንዘተ ኮፍ ኣይብልን ስለዝበሉ፡ ብኢጋድ ዝተጀመረ ጻዕሪ ብኣግኡ ተቖጽዩ።

እዚ ከምዚ ኢሉ እንከተሎ ብሰንኪ እቲ ኣብ ሱዳን ዝካየድ ዘሎ ኵናት ልዕሊ 800 ሽሕ ሱዳናውያን ናብ ጎሮባብቲ ሃገራት ክስደዱ ከምዝኽእሉ ሕቡራት ሃገራት ኣጠንቂቑ።

ብሰንኪ እቲ 15 ሚያዝያ ዝጀመረ ኵናት ኣሰርተታት ኣሽሓት ሱዳናውያን ናብ ግብጺ፡ ጫድን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን ዝርከብአን ሃገራት ተሰዲዶም ኣለዉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም