ሓለቓ እስላማዊ መንግስቲ ምዃኑ ዝተጠርጠረ ኣብ ሶርያ ተቐቲሉ - ኢዜአ ትግርኛ
ሓለቓ እስላማዊ መንግስቲ ምዃኑ ዝተጠርጠረ ኣብ ሶርያ ተቐቲሉ

ሓይልታት ቱርኪ ኣብ ሰሜናዊ ሶርያ ኣንጻር ጂሃዳውያን ወፍሪ ብምክያድ ንመራሒ እስላማዊ መንግስቲ (IS) ምዃኑ ዝጠርጠሩዎ ኣል-ቁራይሺ ዝተባህለ ሓላፊ ከም ዝቐተልዎ ፕረዚደንት ቱርኪ ረሲፕ ጣይብ ኤርዶጋን ኣፍሊጦም ።
ኣቡ ሑሴን ኣል-ቁራይሺ፡ ኣብ ወርሒ ለካቲት ንዝሞተ ሓላፊ እቲ ምንቅስቓስ ተኪኡ ስልጣን ከምእተረከበ እዩ ዝእመን።
እቲ ናይ ኣይኤስ መራሒ ብፍሉያት ሓይልታት ስለያ ቱርኪ ከምእተቐትለ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ንጋዜጣ ትሬስት ቱርክ ሓቢሮም። ይኹን እምበር ቢቢሲ ነቲ ፍጻሜ ብናጻ ኣካል ከረጋግጾ ኣይከኣለን ።
ሓይልታት ስለያ ቱርኪ ነቲ ውልቀ ሰብ "ንነዊሕ እዋን" ክከታተሉዎ ከምዝጸንሑ ዝሓበሩ ፕረዚደንት ኤርዶጋን፡ "ቃልስና ኣንጻር ግብረ-ሽበራውያን ውድባት ክቕጽል እዩ" ኢሎም።
ኣብ ዝሓለፈ ሕዳር፡ እቲ ጂሃዳዊ ጉጅለ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ መራሒኡ ኣቡ ኣል-ሓሳን ኣል-ሓሸሚ ኣል-ቁራይሺ ምማቱ ኣፍሊጡ ኔሩ። ሰብ መዚ ኣሜሪካ ከኣ፡ ንሱ ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ 2022 በቲ ነጻ ሰራዊት ሶርያ ዝበሃል ዕጡቕ ጉጅለ ኣብ ደቡባዊ ምዕራብ ሶርያ ከምዝተቐትለ ሓቢሮም።
ንሱ መራሒ ኣይኤስ ነበር ኣቡ ኢብራሂም ኣል-ሓሺሚ ኣል-ቁራይሺ ምስ ተቐትለ እዩ ስልጣን ተረኪቡ።
ኣል-ሓሺሚ ኣል-ቁራይሺ፡ ኣብ ለካቲት 2022፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ነቲ ተሓቢኡ ዝነብረሉ ዝነበረ ቦታ ኣኽቢቦም ብተዅሲ ምስ ኣናወጽዎ ነብሱን ቤተሰቡን ከምዝቐተለ ይግለጽ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ፡ ጆ ባይደን ኣብቲ ግዜ እቲ፡ እቲ ስርሒት ሉ"ንዓለም ዘስግእ ዓብዪ ግብረ-ሽበራዊ ስግኣት ኣወጊዱ’ዩ" ክብል ተዛሪቦም ነይሮም።
ኣብ ሕዳር፡ እቲ ጂሃዳዊ ጕጅለ፡ መራሒኡ ኣቡ ኣል-ሓሰን ኣል-ሃሸሚ ኣል-ቑረይሺ ከም ዝሞተ ኣፍሊጡ። ኣመሪካ ከዓ፡ ኣብ መፋርቕ ጥቅምቲ፡ እቲ መራሕ ኣይሲስ ንሓርነት ሶርያ ብዝቃለሱ ዕጡቓት ከምእተቐትለ ገሊጻ።
ሓደ እዋን፡ ኣይኤስ፡ ካብ ሰሜን ምብራቓዊ ሶርያ ንሰሜናዊ ክፋል ዒራቕ ዝዝርጋሕ 88,000 ኪ.ሜ. ዝርሕቀቱ ግዝኣት ተቖጻጺሩ፡ ብኣረሜናዊ መግዛእቱ ዳርጋ ሸሞንተ ሚልዮን ዝኾኑ ሰባት ዘስካሕክሕ ግፍዒ ኣውሪዱሎም እዩ።
እቲ ጉጅለ፡ ኣብ 2019 ካብቲ ናይ ተቖጻጺሩዎ ዝነበረ መወዳእታ ዕርድታቱ እኳ እንተተጸርገ፡ ኣብ ዝሓለፈ ሓምለ፡ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ እቲ ጉጅለ ቀጻሊ ስግኣት ኰይኑ ከም ዝጸንሐ ኣጠንቂቑ ነይሩ።
ኣይሲስ፡ ኣብ ሶርያን ዒራቕን ካብ 6,000 ክሳዕ 10,000 ዝዀኑ ዕጡቓት ተዋጋእቲ ከም ዘለዉዎ እዩ ዝግመት።
ንሳቶም መብዛሕትኦም ኣብ ገጠራት ዝነብሩ ኮይኖም፡ ሓያሎ ናይ ድብያን ኣጥቂዕካ ምስዋርን ስርሒታትን ናይ መካይን ነተጒቲ ኣብ ምቕባርን ክዋስኡ ጸኒሖም ኣለው ።
ምስቲ ጉጅለ ዝምድናን ቅርበትን ዘለዎም ኣብ ዝተፈላለየ ክፍላተ ዓለም ዝርከቡ ሓይልታት ከኣ ናይ ጸጥታ ስግኣት ይፈጥሩ ከምዘለው ውድብ ሕቡራት ሃገራት ይገልጽ።
እቲ ውድብ፡ እቶም ኣዝዮም ሓደገኛታትን ሓያል መርበብ ዘለዎም ዕጡቓትን ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ ሶማልን ኣብ ከባቢ ቀላይ ጫድን ከምዝርከቡ ይገልጽ።