ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ዶክተር ወርቅነህ ገበዮህ ኣብ ጉዳይ ሱዳን ጠሚቶም ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘቲዮም

280

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ/21/ 2015 (ኢዜአ)ዋና ፀሓፊ ኢጋድ ወርቅነህ ገበየሁ (/) ኣብ ጉዳይ ሱዳን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ዝተፈላለያ ሃገራት ዘቲዮም።

እቶም ዋና ፀሓፊ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ከምዝገለፅዎ፥ ምስ ሚኒስትይ ጉዳያት ወፃኢ እንግሊዝ፣ ካናዳን ጀርመንን ኣብ እዋናዊ ኩነታት ሱዳን ዝጠመተ ዘተ ኣሳሊጦም።

ኣብቲ ዘተ ኢጋድ ነቲ ኩነታት ብዝግባእ ይከታተሎ ከምዘሎ ብምግላፅ፥ ምስ ዘሎ ሕፅረት  ሰብያዊ ድጋፍ ብዝምልከት ዘለዎም ስግኣት ተዛሪቦም።

ኣብታ ሃገር ብ ህፁፅ ተኽሲ ደው ምባል ተበፃሕነት ቀፃልነት ዘለዎ ሰብኣዊ ሓገዝን መሕላው ድሕንነት ስቪል ማሕበረሰብን ብዝምልከት ብሓባር ንምስራሕ ዘሎ ቁርፀኝነት ኣረጋጊፅና ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም