Y  ኣብ ውቅያኖሳት ዓለምና ዝተረኣየ ቕልጡፍ ወሰኽ ሙቐት፡ ኣብ መንጎ ተመራመርቲ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ።

386

Y ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ውቅያኖሳት ዓለምና ዝተረኣየ ቕልጡፍ ወሰኽ ሙቐት፡ ኣብ መንጎ ተመራመርቲ ሻቕሎት ከም ዝፈጠረ ተገሊጹ።

ኣብዚ ወርሒ፡ ኣብ ግዳማዊ ክፋል ዓለማዊ ባሕሪ ሓድሽ ክብረወሰን ልዑል ሙቐት ዝተመዝገበ ክኸውን እንሎ ቅድሚ ሕዚ ክሳብ ክንድዚ ብቕልጡፍ ወሲኹ ኣይፈልጥን።

ስለምንታይ ክንዲዚ ቐልጢፉ ክውዕይ ከም ዝኸኣለ ተመራመርቲ ስነ-ፍልጠት ምሉእ ብምሉእ ኣይተረድኦምን።

እንተዀነ ሙቐት ዓለም ዝውስኸሉ ኣገባብ ክብርኽ ክገብር ይኽእል ዝብል ስክፍታ ፈጢሩ ኣሎ።

ብፍላይ ከም ኤል ኒኖ ምስ ዝኣመሰሉ ኵነታት ኣየር ተደሚሩ ኣብ መወዳእታ ዝመጽእ ዓመት፡ ሙቐት ዓለም ናብ ዘተሓሳስብ ሓድሽ ደረጃ ክብርኽ ክገብር ይኽእልዩ።

ክኢላታት፡ ኣብ ዝቕጽሉ ኣዋርሕ ሓያል ኤል ኒኖ ክጅምር ምዃኑ ይኣምኑ።

ብርቕቕ ዝበለ ኣዘራርባ ክርአ እንተሎ ኤል ኒኖ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ክልተ ክሳዕ ሸውዓተ ዓመት ኣብ ጥቓ ገማግም ፔሩ ዝርአ ምንቅስቓስ ውዑይ ማይ ዝሓዘ ማዕበልከም ዝዀነ መጽሔት ኒውስዊክ ይገልጽ።

እዚ ማዕበል ዋዒ ውቅያኖስ ክውስኽ ይገብር፤ ኣብ ናይ ገዛእ ርእሰን ሕርሻን ምግፋፍ ዓሳን ዝምርኰሳ ኣብ ምምዕባል ዝርከባ ሃገራት ብፍላይ ድማ እተን ምስ ፓስፊክ ውቅያኖስ ዝዳወባ ሃገራት መብዛሕትኡ ግዜ ዝያዳ ይህሰያ።

ውዑይ ውቅያኖሳት፡ ኣብ ህይወት ባሕሪ ዕንወት ከስዕቡ ይኽእሉ፡ ብተወሳኺ ዝያዳ ጽንኩር ኵነታት ኣየር ከስዕብን ጽፍሒ ባሕሪ ክብርኽ ክገብርን ይኽእል። ከምካርቦንዳይኦክሳይድ ዝኣመሰሉግሪንሃውስ ጋዝስተባሂሎም ዝጽውዑ ዋዒ ዝውስኹ በከልቲ ጋዛት ኣብ ምምጻው እውን ውሑድ ብቕዓት ይህልዎም።

ዝሓለፈ ሰሙን ዝተሓትመ ኣገዳሲ ሓድሽ መጽናዕቲ ድማ ሓደ ዘተሓሳስብ ምዕባለ ኣጉሊሑ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፉ 15 ዓመታት፡ ውህሉል ሙቐት መሬት 50 ሚእታዊ ወሲኹዩ፤ መብዛሕትኡ እቲ ሕልፊ ሙቐት ናብ ውቅያኖሳት ዝኣቱ።

እዚ ኣብ ክውንነት ናይ ሓቂ ሳዕቤን ኣለዎ - ወሰኽ ሓፈሻዊ ሙቐት ውቅያኖሳት ኣብ ወርሒ ሚያዝያ ናይዚ ዓመት ሓድሽ ክብረወሰን ኣመዝጊቡ ጥራይ ዘይኮነስ፡ ኣብ ገለ ዞባታት ኣብ ውሽጢ ነዊሕ ግዜ ዝተመዝገበ ፍልልይ ኣዝዩ ዓቢ ነይሩ።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፡ ኣብ ምብራቓዊ ገማግም ሰሜን ኣመሪካ ዝነበረ ሙቐት ግዳማዊ ክፋል ባሕሪ፡ ካብቲ ኣብ 1981-2011 ዝነበረ ማእከላይ ሙቐት ክሳብ 13.8 ሰልሽየስ ዝለዓለ ነይሩ።

"ስለምንታይ ከምዚ ዝኣመሰለ ቅልጡፍ ለውጢ ከም ዝተፈጠረ ገና ብንጹር ኣይተፈልጠን" ትብል መሪሕ ደራሲት ናይቲ ሓድሽ መጽናዕቲን ኣብ 'መርካተር ኦሽን ኢንተርናሽናል' ክኢላ ውቅያኖሳትን ዝዀነት ካሪና ቮን ሹክማን።

"ኣብ ዝሓለፈ 15 ዓመታት ኣብ ስርዓተ ክሊማ ዘሎ ሙቐት ብዕጽፊ ክዓቢ ገይረና ኢና፤ እዚ ለውጢ ክሊማ እዩ፡ ወይ ተፈጥሮኣዊ ተለዋዋጢነት ወይ ናይ ክልቲኡ ምትሕውዋስ እዩ ክብል ኣይደልን፡ ክሳብ ሕዚ ኣይንፈልጥን። እዚ ለውጢ ግን ንርእዮ ኣለና።"

ሓደ ካብቲ ነቲ ናብ ውቅያኖሳት ዝኣቱ ደረጃ ሙቐት ክጸልዎ ዝኽእል ረቛሒ፡ ካብ መራኽብ ዝመጽእ ብከላ ምንካዩ እዩ።

ኣብ 2020 ዓለምለኻዊ ውድብ ባሕሪ International Maritime Organisation) መራኽብ ኣብ ዘቃጽልኦ ነዳዲ ዝርከብ ትሕዝቶ ሳልፈር ንምንካይ ዝሕግዝ ደንቢ ኣውጺኡ።

እዚ ድማ ቅልጡፍ ጽልዋ ኣሕዲሩ፡ መጠን ናይቲ ናብ ከባቢ ኣየር ዝለቐቕ ንጥረ ነገራት ኤሮሶል ክንክይ ገይሩ።

ንኣየር ዝብክል ኤሮሶል ግን ዋዒ ናብ ጠፈር ክምለስ እውን ይሕግዝ - ነዚኦም ምእላይ ድማ ዝያዳ ሙቐት ናብ ማያት ክኣቱ ገይሩ ክኸውን ይኽእል።

ዓሌታት ባሕሪ ብሰንኪ እቲ እናሞቐ ዝኸይድ ዘሎ ማያት ኣብ ሓደጋ ይርከቡ

ካልእ ነተመራመርቲ ዘሻቕሎም ዘሎ ኣገዳሲ ረቛሒ፡ እቲ ብደቡባዊ ውዝዋዘ ኤል ኒኖ ዝፍለጥ ተርእዮ ኵነታት ኣየር እዩ።

እዚ ብተፈጥሮ ዝብገስ ኤል ኒኖ፡ ንዝሓለፉ ሰለስተ ዓመታት ኣብ ዝሑል ምዕራፍ ኰይኑ ጸኒሑ እዩ፤ እዚ ኒና ብዝብል ዝፍለጥ ዝሑል ምዕራፍ ሙቐት ዓለም ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንኽጸንሕ ከም ዝሓገዘ ይፍለጥ።

ሕዚ ግን ተመራመርቲ፡ ኣብ ዓለም ርኡይ ጽልዋ ከሕድር ዝኽእል ጽንኩር ኤል ኒኖ ይፍጠር ከም ዘሎ ይኣምኑ።

"ሞዴል ቢሮ ኣውስትራልያ ጽንኩር ኤል ኒኖ ከም ዘሎ ዝያዳ ይኣምን" ይብል ሂዩ ማክዶወል ካብ ቢሮ ሜትሮሎጂ ኣውስትራልያ።

ሚስተር ማክዶወል ኣብዚ እዋን እዚ ዝወሃብ ትንበያታት ኣተኣማንነቱ ውሑድ ምዃኑ ኣጠንቂቑ።

ኤል ኒኖ ኣብ ገማግም ባሕሪ ፔሩን ኢኳዶርን ድሮ ማዕቢሉ ኣሎ፤ ክኢላታት ድማ ኣብ ልዕሊ ዓለማዊ ሙቐት ጽልዋ ከም ዘለዎ ይኣምኑ።

"ሓድሽ ኤል ኒኖ ኣብ ልዕሊኡ እንተመጺኡ፡ ምናልባሸ ካብ 0.2 - 0.25 ሰልሺየስ ዝበጽሕ ተወሳኺ ሙቐት ዓለም ክህልወና'" ይብል ዶክተር ጆሴፍ ሉደሸር፡ ካብ ፖትስዳም ኢንስቲትዩት ምርምር ክሊማ።

"ኤል ኒኖ ኣብ ዝለዓለ ጥርዚ ድሕሪ ምብጽሑ፡ ኣብ ሙቐት ዘሕድሮ ጽልዋ ንሒደት ኣዋርሕ ትሑትዩ፤ በዚ ምኽንያት ድማ 2024 ምናልባት ኣብ መዝገብ ዝሞቐት ዓመት ክትከውን ትኽእል እያ።"

ገፈፍቲ ዓሳ ድሮ ኣብ ገለ ዓይነታት ዓሳን ኣብ ማይ ዝነብሩ እንስሳታትን ጽልዋ ከም ዘሕደረ ተፈሊጥዎም ኣለዉ

ኤል ኒኖ ኣብ መላእ ዓለም ንዘሎ ኵነታት ኣየር ክዘርግ፡ ንክራማት ከዳኽምን ንኣውስትራልያ ናብ ዝያዳ ሓደጋ ባርዕ ጫካ ከእቱን ተኽእሎ ኣሎ።

ዝያዳ ዋዒ ናብ ውቅያኖስ ምስ ዝኣቱ ግን ናይቶም ማያት ልዕሊ ዓቐን ጸዓት ናይ ምኽዛን ዓቕሚ ክንክይ ይኽእል እዩ ዝብል ዝያዳ መሰረታዊ ስክፍታታት ኣሎ።

ስለዝዀነ ድማ ኣብ ውቅያኖሳት ዝርከብ ሙቐት ኣብኡ ዘይክጸንሕ ይኽእል ዝብል ሻቕሎት ኣስዒቡ ይርከብ። እዚ እንታይ ማለት?

ነዚ ዛንታ ርእይቶ ክህቡ ዝተሓተቱ ሓያሎ ሳይንቲስት፡ ዕላዊ ትርጉም ንምሃብ ፍቓደኛታት ኣይነበሩን።

ሓደ ግን ኣብ "ኣዝዩ ጭንቀትን ምሉእ ብምሉእ ውጥረትን" ከም ዘሎ ተዛሪቡ።

ገለ መጽናዕትታት ከም ዘመልክትዎ፡ ዓለም ልዑል ወሰኽ ዋዒ ተርእይ፡ ትውዕይ ኣላ፤ ኣብ ውሽጢ ዝተወሰኑ ዓመታት ውሑድ ለውጢ ይመጽእ፡ ድሕሪኡ ድማ ሃንደበታዊ ሓያል ወሰኽ ይርአ፡ እዚ ድማ ምስ ምዕባለ ኤል ኒኖ ብቐረባ ዝተኣሳሰር እዩ።

ኣብዚ ተርእዮ ገለ ተስፋ ከም ዘሎ ካሪና ቮን ሹክማን ትገልጽ። ኤል ኒኖ ምስ ሃድአ ሙቐት መሊሱ ክወርድ ይኽእል እዩ።

"ሕዚ'ውን ስጉምቲ ክንወስድ እንኽእለሉ ዕድል ኣሎ፡ እዚ ዕድል ነቲ ሳዕቤን ንምንካይ ክንጥቀመሉ ይግባእ" ክትብል ንቢቢሲ ኒውስ ገሊጻ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም