ክልል ኦሮሚያ ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር 12 ሽሕ ኩንታል ዘርኢ ፈልሲ ኣከፋፊሉ

418

 አዲሰ አበባ /ሚያዚያ /15 / 2015 /ኢዜአ /  ክልል ኦሮምያ ንመርሃ ግብሪ ሓምለዋይ አሰር ልዕሊ 12 ሽሕ ኩንታል ዘርኢ ፈልሲ ንዝተፈላለዩ ጣብያታት ፈልሲ ከምዘከፋፈለ ኣፍሊጡ።

ኣብዚ ሕዚ  እዋን ድማ ኣርባዕተ ነጥቢ ሽዱሽተ ቢልዮን ፈልሲ ከምዝተዳለወ ተገሊፁ።

ሓላፊ ቢሮ ግብርና ክልል ኦሮሚያ ኣይተ ጌቱ ገመቹ  ከምዘፍለጥዎ፣ ስራሕቲ ተኸላ ፈልሲ ሓምለዋይ አሰር ብቐዳምነት ኣብ ልምዓት ተፋሰስ ጠመተ ገይሩ እናተሰርሐ እዩ ዝርከብ።

ልዕሊ 12 ሽሕ ኩንታል ዘርኢ ፈልሲ ንሕድሕድ ጣብያ ፈልሲ ተኸፋፊሉ ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ኣርባዕተ ነጥቢ ሽዱሽተ ቢልዮን ፈልሲ ተዳሊዉ እዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም