ሰላም ባስ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝህቦ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ጀሚሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሰላም ባስ ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ዝህቦ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ጀሚሩ

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /14/ 2015 (ኢዜአ) ሰላም ባስ ካብ ትግራይ ናብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ትግራይ ዝህቦ ኣገልግሎት ትራንስፖርት ይጅምር ከምዘሎ አፍሊጡ።
ሰላም ባስ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ፥ ብምኽኒያት ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝነበረ ጎንፂ ኣቋሪፁዎ ዝነበረ ኣገልግሎት ትራን ስፖርትክጅምሮ እዩ።
ብመሰረት እዚ ሎሚ መዓልቲ 51 ሰብ ብምስፋር ካብ መቐለ ናብ ኣዲስ ኣበባ ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ ተገሊፁ።
እቲ ጉዕዞ ብዓፋር ኣቢሉ ይወሃብ ከምዘሎ እቲ ኩባኒያ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲይኡ ኣብ ዘስፈሮ መልእኽቲ ሓቢሩ አሎ ።