ኣትሌት ቀነኒሳ በቀለን ኣልማዝ ኣያናን ዝሳተፉሉ ማራቶን ለንደን ዝቕፅል ሰንበት ካካየድ ኢዩ

596

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /14/ 2015 (ኢዜአ)ዓበይቲ ኣትሌታት ዝነሓንሑሉ ማራቶን ለንደን 2023 ዝቕፅል ሰንበት 15 ሚያዚያ 2015 . ክካየድ ኢዩ።

ኣብቲ ውድድር ብደቂ ተባዕትዮ ቀነኒሳ በቀለ ዝሳተፍ እንትኸውን÷ ክዕወቱ ኢዮም ዝብል ግምት ካብ ሞንጎ ዝተውሃቦም ሓደ ኢዩ፡፡

ቀነኒሳ በቀለ ኣብቲ ርሕቐት 2 ሰዓት 1 ደቒቓን 41 ሰከንድን ብምጉያይ ካልኣይ ቅልጡፍ ሰዓት ዘለዎ ኣትሌት ከምዝኾነ ሓበሬታት የመላኽቱ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብቲ ውድድር ኣትሌት ታምራት ቶላ፣ ልኡል ገብረስላሴ፣ ሞስነት ገረመውን ብርሃኑ ለገሰን እውን ክሳተፉ ኢዮም።

ብደቂ ኣንስትዮ ኣብ ዝግበር ውድድር ድማ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ውድድር ተዓዋቲት ያለምዘርፍ የኋላ ክትሳተፍ ኢያ።

10ሺሕ ሜትሮ ተዓዋቲት ሜዳሊያ ወርቂ ሪዮ ኦሎምፒክ 2016 ኣልማዝ አያናን ወናኒት ክብረ ወሰን ዓለም 1 ሺሕን 500 ገንዘቤ ዲባባ ኣብ ውድድር ዝሳተፋ ኣትሌታት ከምዝኾና ተገሊፁ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም