ፌዴሬሽን ኣትሌትክስ ትግራይ ናይ ስፖርት ዕጥቂ ድጋፍ ተዋሂብዎ

602

አዲሰ አበባ /ሚያዚያ /2015 /ኢዜአ/  ፈዴሬሽን ኣትሌትክስ ኢትዮጵያ ንፌደረሽን ኣትሌትክስ ትግራይ ናይ 2015 በጀት ዓመት ናይ ስፖርት ዕጥቂ ድጋፍ ገይሩ።

እቲ ድጋፍ ኣትሌት ደራርቱ ንኮሚሽነር ኮምሽን ስፖርት ክልል ትግራይ ኣይተ ተኽላይ ፍቓዱን ንፕረዝደንት ፌደሬሽን ኣትሌትክስ ትግራይ ኣይተ ኪዳነ ተክለሃይማኖት ኣብ ከተማ መቐለ ኣረኪበን።

ብምቅፃል ድማ ኣብ ብዙሕ ዛዕባታት ስፍሕ ዝበለ ዝርርብ ድሕሪ ምክያድ ኣብ  ወርሒ ግንቦት ንመበል 52 ግዜ ዝካየድ ሻምፕዮና ኢትዮጵያ ክልል ትግራይ ተሳታፊት ከምትኾን ተነጊሩ ኣሎ

እቲ ድጋፍ ከም ጅማሮ ዝናኣድ 'ዩ፤ ኣብ ብዝሓት ወረዳታት ካብ ኣትሌትክስ ፌዴሬሽን ኢትዮጲያ ድጎማ ዝፅበዩ ብርክት ዝበሉ በቢወረድኡ ዝተሓቖፉ ኣትሌታትን ኣብ ማይጨው ዝርከብ ማእከል መስልጠኒ ኣትሌቲክስ ስለዘለው እኩል ሓገዝ ንክግበረ ተሓቲቱ ኣሎ

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም