ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም

592

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /9 / 2015 (ኢዜአ)ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተኻየዱ ውድድራት ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያዊያን ኣትሌታት ተዓዊቶም።

ኣብ ቻይና ከተማ ውሃን ኣብ ዝተገበረ ውድድር ጎደና፥ ኣትሌት ትዕግስት ታደሰ ካልአይቲ ብምዃን ውድድራ ዛዚማ።

ኣብ ዥንግ ካይ ኣብ ዝተገበረ ውድድር ደቂ ተባዕቲዮ ድማ፥ ኣትሌት ታፈረ ኣዲሱ፣ ገለታ ስንታዬሁን ወርቁ ድረሴን ብቕደም ሰዓብ ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም።

ኣብ ቻይና ዩዌይንግ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር በደቂ ተባዕቲዮ፥ ኣትሌት ፈቃዱ የሽጥላ ቀዳማይ ኮይኑ ውድድሩ እንትዛዝም ብደቂ ኣኒስቲዮ ድማ ኣትሌት ኮሎሌ መካሹን ሳምራዊት ነጋን ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ሒዘን።

ብተመሳሳሊ ኣብ ኔዘርላንድስ ሮተርዳም ኣብ ዝተሳለጠ ናይ ማራቶን ውድድር ኣትሌት ዳዊት ወልዴ ራብዓይ፣ ጫላ ረጋሳ ሓምሻይ፣ ኣስማረ ባዘዘው ሻውዓይን ኣበበ ነገዎ ሻምናይ ደረጃ ሒዞም።

ብደቂ ኣኒስቲዮ ኣትሌት ቲኪ ገላና ሻድሻይ ደረጃ ሒዛ።

ኣብ ፖላንድ ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድማ ኣትሌት ሙሉ ቱሉ ካልአይቲ ብምዃን እቲ ውድድር ዛዚማ።

ኣፖላንድ ፖንዛን ኣብ ዝተኻየደ ውድድር ድማ ኣትሌት ሃፍታሙ ገብረስላሴ፣ ሰለሞን በሪሁን ህዝቅያስ ታምራትን ካብ ቀዳማይ ክሳብ ሳልሳይ ደረጃ ሒዞም ውድድሮም ከምዝዛዘሙ ተገሊፁ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም