ኣምባሳደራት ንበዓል ፋሲካ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣምባሳደራት ንበዓል ፋሲካ መልእኽቲ እንኳዕ ኣብፀሐኩም ኣመሓላሊፎም

ኣዲስ ኣበባ/ ሚያዝያ /8/ 2015 (ኢዜአ)ኤምባሲታትን ኣምባሳደራትን ዝተፈላለያ ሃገራ በዓል ፋሲካ ምኽንያት ብምግባር ንተኸተልቲ እምነት ክርስትና መልእኽቲ ሰናይ ትምኒት ኣመሓላሊፎም።
ኣምባሳደር ሩሲያ ኣብ ኢትዮጵያ ኢቭጌኒ ተርኪሂን፥ “በዓክ ፋሲካ መግለፂ ሓዱሽ ህይወትን ሓዱሽተስፋን ኢዩ” ክብሉ ገሊፆም።
“ኣብዚ ብሩህ በዓል ንኩሎም ኢትዮጵያውያን ኣሓተይን ኣሕዋተይን ሰላም ክምነ ይፈቱ” ኢሎም።
በዓል ፋሲካ በዓል ሰላም፣ ሓጎስን ምዕባለን ንኽኸውን ሰናይ መልእኽቲ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም።
ኣምባሳደር እስራኤል ኢትዮጵያ፣ ኤምባሲታን ኣምባሳደራትን ብሪታኒያ፣ ኔዘርላንድስ፣ ዴንማርክ፣ ኢራን፣ ሜክሲኮ፣ ኣሜሪካ፣ ጀርመን፣ ጣልያን፣ ፓኪስታን፣ ስሪላንካን ኦስትሪያን እውን መልእኽቲ ሰናይ ትምኒቶም ኣመሓላሊፎም።
ኣብ መልእኽቶም ድማ በዓል ትንሳኤ ናይ ሰላም፣ ፍቕሪ፣ ሓጎስን ፍሰሃን ንኽኸውን ተመኒዮም፡፡