ኣቦታት ሃይማኖት ንበዓል ትንሳኤ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣቦታት ሃይማኖት ንበዓል ትንሳኤ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም
ኣዲስ ኣበባ / ሚያዝያ /7/ 2015 (ኢዜአ)ኣቦታት ሃይማኖት ንበዓል ትንሳኤ ናይ እንኳዕ ኣብፀሐኩም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።
እቶም ኣቦታት፥ ብትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ዝተረኸበ ሰላም ምእመናን ሰዓብቲ እምነት ክርስትና እወንታዊ ተግባር በምፍፃም ክትግብርዎ ይግባእ ኢሎም።
ትንሳኤ ኢየሱስ ክርስቶስ ንደቂ ሰባት ደሕንነትስ ሰላምን ዝተረኸበሉ ኢዩ ኢሎም።
ስለዝኾነ ምእመናን ንምርግጋፅ ሰላምን ሓድነትን ሃገር ክሰርሑ ይግባእ ክብሉ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።
ኣብ ዝተወሰኑ ከባቢታት ኢትዮጵያ ዝረአዩ ፀገማት ምንጋዕ ሰላም ብዘተን ምርድዳእን ከፍትሑ ይግባእ ኢሎም።
እቲ በዓል ዝተፀገሙ ወገናት ብምሕጋዝ ክበዓል ከምዘለዎ እቶም ኣቦታት ሃይማኖት መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።