ፀሎተ ሓሙስ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት እናተኸበረ ክውዕል ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ /ሚያዚያ/ 5/2015(ኢዜአ)ሓሙስ (ፀሎተ ሓሙስ) ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኣብ መላእ ሃገር ሎሚ መዓልቲ እናተኸበረ ክውዕል ኢዩ።

ሓሙስ ፅግቦ ብኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተክርሰቲያንን ካቶሊካዊት ቤተክርስቲያንን ትሕትና ኢየሱስ ክርስቶስ ብዘርእይ መገዲ ብዝተፈላለዩ ስነ ሰርዓታት ተኸቢሩ ዝዉዕል ኢዩ።

ስለዝኾነ ኢየሱስ ክርስቶስ ሎሚ መዓልቲ እግሪ ሃዋሪያት ብምሕፃብ ፍፁም ትሕትና ዘምሃረሉ ስርዓት ብምዝኽኻር እዩ እቲ በዓል ዝኽበር።

ፓትርያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁእ ወቅዱስ አቡነ ማትያስ ናይ ብፁኣን ጳጳሳት፣ ጳጳሳት ናይ ቆሞሳት፣ ካህናት ናይ ምእመናት እግሪ ብምሕፃብ ኣርኣያ ኢየሱስ ክርስቶስ ብምስዓብ ነቲ ስርዓት ክፍፅሙ ኢዮም

ብተመሳሳሊ ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስቲያን፥ ሊቀ ጳጳሳት ዘካቶሊካዊያን ኣብ ዝተረኸብሉ እቲ ሰርዓት ክኽበር ኢዩ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም