ኣርሰናል፡ ምስ ሊቨርፑል ማዕረ ተፈላልያ መሪሕነታ ኣብ ሓደጋ ኣእትያ

628

ኣርሰናል፡ ትማሊ ናብቲ ካብ 2012 ጀሚራ ዓወት ኣመዝጊባትሉ ዘይትፈልጥ፣ ኣሰልጣኒኣ ሚከል ኣርቴታ 'ጫካ' ክብል ዝገለጾ ሜዳ ኣንፊልድ ከይዳ፡ ምስ ሊቨርፑል ማዕረ ክልተ ብኽልተ ድሕሪ ምፍልላያ፡ ዋንጫ ናይ ምውሳድ ዕድላ ኣብ ሓደጋ ከም ዝኣተወ ብዙሓት ተንተንቲ ይገልጽዎ ኣለዉ።

ምስታ ካልኣይቲ ኰይና ትስዕባ ዘላ ማንቸስተር ሲቲ ናይ ሽዱሽተ ነጥቢ ፍልልይ ኣንጺፋ ትሃሉምበር፡ ሓደ ጸብለልታ ጸወታ ስለዘለዋ ማንቸስተር ሲቲ ነታ ዘላታ ተረፍ ጸወታ እንተተዓዊታ እቲ ፍልልይ ናብ ሰለስተ ክወርድዩ።

ኣርሰል ካብዘን ተሪፈናኣ ዘለዋ ሸሞንተ ጸወታታት ኣርባዕተ ኣብ ሜድኣ ኣርባዕተ ካብ ሜዳኣ ወጻኢ ከተካይደን።

ኣንጻር፡ ሳውዝሃምፐተን፡ ቸልሲ፡ ብራይተንን ዎቭስን ኣብ ሜድኣ፡ ኣንጻር ዌስተሃም፡ ማንቸስተር ሲቲ፡ ኒውካስልን ኖቲንግሃም ፎረስትን ከኣ ካብ ሜድኣ ወጻኢ።

ብፍላይ እቲ ምስ ኒውካስልን ማንቸስትር ሲትን ትገብሮ ጸወታ ግን ዋንጫ መን  ክወስድ ንዝብል ሕቶ ዳርጋ ናብ ሓቂ ዝቐረበ መልሲ ክህብ ከመዝኽእል ብኣጋኡ ተገሚቱ ኣሎ።

ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘካየዳኦ ጸወታ፡ ኣረሰናል 43 ማንቸስተር ሲቲ ከኣ 48 ጸብለልታ ሸቶ ኣለወን።

ናብ ናይ ትማሊ ጸወታ ምስ እንምለሰ፡ ኣብ 2012 ተጻዋታይ ኣርሰናል ኰይኑ ኣብ ልዕሊ ሊቨርፑል ዓወት ዘመዝገበ ናይ ሕጂ ኣሰልጣኒ እታ ጋንታ ሚከል ኣርቴታ፡ ተጻወትቲ ነቲጫካኢሉ ዝገልጾ ሜዳ ኣንፊልድ ብዅሉ ሸነኻት - ነቲ ዘየዕርፍ ነጐድጓድ ድምጺ ደገፍቲ ሊቨርፑል'ውን - ክጻወርዎ ምእንቲ፡ ኣብ እዋን ልምምድ፡ ነታ ዊል ነቨር ዎክ ኣሎን!’ ትብል ፍልጥቲ መዝሙር ሊቨርፑል ብብርቱዕ መጕልሕ ድምጺ እናሰምዑ ከምዝለማመዱ ክገብር ቀንዩ።

እዚ ሜላ ግን ሓንቲ ነጥቢምበር ሰለስተስ ኣይረኸበሉን።

ኣርሰናል ኣብ መበል 8 ደቒቕ ብመንገዲ ብራዚላዊ ጋብርኤል ማርቲነሊ፡ ኣብ መበል 28 ደቒቅውን ብኻልእ ብራዚላዊ ጋብርኤል ጀሱስ ክልተ ሸቶታት ምስ ኣመዝገበት፡ ሊቨርፑል ኣብ ገዛእ ሜድኣ ዳር ትርኢታ ክትርኢ ዝበለ ውሑድ ኣይነበረን።

ቅመራ ስታትስቲክስውን ነዚ ውጽኢት እዚ ብምርኣይ፡ እዚ ጸወታ 83 ሚእታዊት ብዓወት ኣርሰናል 8 ሚእታዊት ማዕረ፡ 9 ሚእታዊት ከኣ ብዓወት ሊቨርፑል ናይ ምዕዋት ተኽእሎ ከምዘለዎ የርኢ ነይሩ።

ዕዳጋ ግን ኣደኻ ከም ዝልኣኸትካ ኣይኰነን፡ መሓመድ ሳልሕ ዕረፍቲ ክወጽኡ ሰለስተ ደቓይቕ ምስ ተረፎም ኣብ መበል 42 ደቒቕ ሸቶ ኣመዝጊቡ፤ ሊቨርፑል 1 ኣርሰናል 2 ኸኣ ናብ ዕረፍቲ ኣምሪሐን።

መሓመድ ሳልሕ ፍጹም ቅላዕ ብምስሓቱ ዕድል ናብ ኣርሰናል ዝተመለሰ እንተመሰለ፡ ድሕሪ ዕረፍቲ ሊቨርፑል ንጸወታ ምሉእ ንምሉእ ብምዕብላል፡ ተጻወትታ ብተደጋጋሚ ናብ ልዳት ኣርሰናል ክኩሕኵሑ ጀሚሮም፣ ክንደይ ከም ዝኸውን እምበር ሽቶ ምምዝጋቦሲ ከምዘይተፍ ዳርጋ ርግጽ ተወስደ።

ተቐይሩ ዝኣተወ ብራዚላዊ ፈረሚንዮ ኣብ መበል 87 ሸቶ ስለዘመዝገበ ከኣ፡ ጸወታ ማዕረ ክልተ ክልተ ኰይኑ። ሓላዊ ልዳት ኣርሰናል ራምስዳለ ብዘገርም ብቕዓት ንዝካየደሉ ዝነበረ ሓደገኛታትን ፈተነታት እንተዘየድሕን፡ እታ ብኽልተ ሸቶታት መሪሓ ዝነበረት ኣርሰናል ነታ መምለሲ እግሪ ትዀና ዝረኸበታ ሓንቲ ነጥቢውን ምስኣነታ ነይራ።

ራምስዳል፡ ነታ ድሕሪ ዕረፍቲ ፍጹም ተቐይራ ዝኣተወት ሊቨርፑል ዳርጋ በይኑ እዩ ደው ኣቢልዋ፡ ዝብሉ'ውን ኣይተሳእኑን፤ ካብ ብዙሃት ተዓዘብትን ተንተንትን ፍሉይ መጐስ ዝረከበ እቲ ሓላው ልዳት፡ ኮኾብ ተጻዋታይ ኰይኑ እዩ ኣምስዩ።

ክሳብ ሕዚ ተኻይዱ ብዘሎ ጸወታታት ፕረሚየር ሊግ እንግሊዝ፡ ኣርሰናል ኣብ 30 ጸወታ 73 ነጥቢ፡ ማንቸስተር ሲቲ ኣብ 29 ጸወታ 67 ነጥቢ፡ ኒውካስል ኣብ 29 ጸወታ 56 ነጥቢ፡ ማንቸስተር ዩናይትድ ኣብ 29 ጸወታ 56 ነጥቢ፡ ቶተንሃም ኣብ 30 ጸወታ 53 ነጥቢ ኣዋህሊለንል ካብ ቀዳመይቲ ክሳብ ሓምሸይቲ ተሰሪዐን ኣለዋ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም