ዓለም ለኸ ሕብረት ቴሌኮሙኬሽን ንኢትዮጵያ ዝህቦ ደገፍ ንከጠናኽር ተሓቲቱ

58

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/  23/ 2015 (ኢዜአ)ዓለም ለኸ ሕብረት ቴሌኮሙኬሽን ንኢትዮጵያ ዝህቦ ደገፍ ብዝበለፀ ንከጠናኽር ተሓቲቱ።

ኣብ ጄኔቫ ቀዋሚ ተወካሊ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር ፀጋአብ ከበበው ምስ ዋና ፀሓፊ ሕብረት ዓለም ለኸ ቴሌኮሙኬሽን  ዶሬን ቦግዳን ማርቲን ዘቲዮም፡፡

ኣብቲ ዘተ፥ ኣብ ዝሓለፉ 4 ዓመታት ኢትዮጵያ ዓውዲ ቴሌኮም ንውድድር ነፃ ዕዳጋ ክፍቲ ኣብ ምግባር ዝሰርሓቶም ስራሕትን ክሳብ ሐዚ ዝተረኸቡ ውፅኢታትን ነቶም ዋና ፀሓፊ መብርሂ ሂቦም።

እቲ ሕብረት ንኢትዮጵያ ዝህቦ ዘሎ ሓገዝ እውን ንኢዶም።

ዝወሃብ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ድማ ሓቲቶም።

እቲ ሕብረት ዓውዲ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ንምዝማን ዝገብሮ ምንቅስቃስ ንዓውዲ እቲ ትካል ዝተፈላለዩ ናይ ቴክኒክ ሓገዛት፣ ህንፀት ዓቕሚ ክገብር ከም ዝፀንሐ ካብ ጀኔቫ ቀዋሚ ልኡኽ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም