ኣብ ዝቕፅሉ 3 ኣዋርሕ ልዕሊ 7 ነጥብ 7 ሚሊየን ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ናብ ውሽጢ ሃገር ክኣቲ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት /23/ 2015 (ኢዜአ)ኣብ ዝቕፅሉ 3 ኣዋርሕ ልዕሊ 7 ነጥብ 7 ሚሊየን ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ናብ ውሽጢ ሃገር ከምዝኣቱ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣፍሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ እቲ ሚኒስቴር ሶፊያ ካሳ (ዶ/ር) ከምዝበልኦ ፥ ኣብ ዘበነ ምህርቲ 2015/16 ዓ.ም 12 ነጥቢ 8 ሚሊየን ኩንታል ዕድጊት ዘመናዊ ድኹዒ ተፈፂሙ ኢለን።

ብመሰረት እዚ ክሳብ ሐዚ 5 ነጥቢ 1 ሚሊየን ኩንታል ዘመናዊ ድኹዒ ጂቡቲ ምብፃሑ ተዛሪበን።

ካብዚ እቲ 4 ነጥቢ 5 ኩንታል ናብ ውሽጢ ዓዲ ብምእታው ናብ ዝተፈላላያ ክልላት ናይ ምጉዕዓዝ ስራሕ ምስላጡ ገሊፀን።

ክሳብ ወርሒ ሰነ እቲ ዝተረፈ ሙሉእ ብሙሉእ ናብ ውሽጢ ዓዲ ብምእታው ኣብ ኣገልግሎት ንኽውዕል ተተሊሙ ይስራሕ ምህላዉ ሓቢረን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም