ከንቲባ ኣዳነች ን150 ዓቕሚ ዘይብሎም ፣ ኣረጋውያንን ኣካል ጉዱኣትን ከምኡውን 50 ብምኽኒያት ልምዓት ካብ መረበቶም ንዝለዓሉ ሰባት ዝተሃነፁ መንበሪ ኣባይቲ ኣረኪበን

126

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/ 23 /2015 (ኢዜአ) ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ ን150 ዓቕሚ ዘይብሎም ፣ ኣረጋውያንን ኣካል ጉዱኣትን ከምኡውን 50 ብምኽኒያት ልምዓት ካብ መረበቶም ንዝለዓሉ ሰባት ዝተሃነፁ መንበሪ ኣባይቲ ኣረኪበን።

እተን ከንቲባ፥ እንሰርሖ ስራሕቲ ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ዘለና ሃፍቲ ብሓባር እነካፍለሉ ኢዩ ኢለን።

ንነበርቲ ኣዲስ ኣበባ ጉዳይ መንበሪ ኣባይቲ ቀዳምነት ዝወሃቦ ምዃኑ ኣሚንና እቲ ፀገም ንምፍታሕ ምስ ሰብ ውልቀ ሃፍቲ ብምዃን ኣብዚ ሓዚ እዋቀን ልዕሊ 20 ሺሕ ኣባይቲ ኣብ ከይዲ ምህናፅ ኣለና እውን ኢለን።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም