ፋውንዴሽን ማስተር ካርዲ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ንዝትግበር ፕሮግራም ልዕሊ 630 ሚልዮን ዶላር ኣፅዲቑ

87

አዲሰ አበባ /መጋቢት/ 23/ 2015/ ብፈጠራ ዕድል ስራሕ ተበፃሕነት ፋይናንስ ንምርግጋፅ ዘኽእል ግልጋሎት ልቓሕ፣ ትካላት ቴክኒክን ሞያን ብኣተሓሳስባ ፈጣሪነት ስራሕ ንምቕራፅ ዘኽእክ ፕሮግራምን ንዝተፈላለዩ ተግባራት ዝውዕል ልዕሊ 630 ሚልዮን ዶላር ንዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ኣፅዲቑ።

ቦርዲ ኣመራርሓ ስራሕ ፋውንዴሽን ማስተር ካርዲ ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ መዓልትታት ኣብ ኢትዮጵያ ነቲ ፕሮግራም ገምጊሙ።

በዚ መሰረት እውን ካልኣይ ዙርያ ፕሮግራም ኢትዮጵያ ኣፅዲቑ እዩ። ንመፈፀሚ እቲ ፕሮግራም ልዕሊ 630 ሚልዮን ዶላር ንዝቕፅሉ ሰለስተ ዓመታት ኣፅዲቑ።

ፋውንዴሽን ማስተር ካርዲ ኣካታቲን ፍትሓዊን ዓለም ንምፍጣር፣ ንምስፍሕፋሕ ትምህርቲ፣ ንመናእሰይ ዕድል ስራሕ ንምፍጣርን ልእኽቶ ምፍላጥ ኣካታትነት ፋይናንስን ካብ ዘለዎም ፋውንዴሽናት እቲ ሓደ እዩ።

ምስ ኣመራርሓታት ቦርዲ እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ብዙሓት ሃገራዊ፣ ኣህጉራዊን ዓለም ለኻዊን ጉዳያት፣ እቲ ፍውንድልሽን ንዝሓለፉ ብርክት ዝበሉ ዓመታት ብፍላይ ኣብ ኢትዮጵያ ዝሰርሖም ተግባራትን ዝተፃወቶ ወሳኒ ግደን ብዝርዝር ተመልኪትና ኢና።

እቲ ፋውንዴሽን ንክእለት ፈጠራን ስራሕ ፈጣሪነትን መናእሰያትና ኣሚኑ ሕልሚ ብዙሓት ንምፍታሕ ልዑል ሓገዝ እናገበረ ይርከብ። ኣብ ሃገርና ስልጠና ትምህርቲ፣ ግልጋሎት ፋይናንስን ክእለትን ተበፃሒ ንምግባር ከምኡ እውን ብዙሓት ሰባት ነቲ ዕድል ረኺቦም ምስ ሕልምታቶም ንክራኸቡ እቲ ፋውንዴሽን ኣብ ጎኒ ብዙሓት ጠጠው ብምባል እናገበሮ ንዘሎ ሓገዝ እተን ሚኒስትር ኣመስጊነን።

ንመስራቲትን ፕረዚደንትን እቲ ፋውንዴሽን ሚስስ ሪታ ሮይን ንመላእ ዳይሬክተራት ቦርዲ እቲ ፋውንዴሽንን ንዝነበረኒ መምሀሪን መነቕቕሒን ግዜ ከምኡ እውን ሃገርና ንዝጀመረቶም ከይድታት ለውጢ ዘላቒ ዕብየትን ንኸረድእ ንዝተውሃበኒ ዕድልን ብስመይን ብስም ሚኒስቴር መስርያ ቤትናን ካብ ልቢ የመስግን ኢለን እተን ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ወይዘሮ ሙፈሪያት ካሚል ኣብ ማሕበራዉ ምትእስሳር ገፀን ኣብ ዘስፈርኦ መልእኽቲ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም