ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብሓባራዊ ቅልፅም ኢትዮጵያውያን ኣብ መዛዘሚ ምዕራፍ በፂሑ-ኣይተ ደመቀ መኮንን

100

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 23/2015 (ኢዜአ) ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ብሓባራዊ ቅልፅም ኢትዮጵያውያን ኣብ መዛዘሚ ምዕራፍ ምብፅሑ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣይተ ደመቀ መኮንን ዝመርሕዎ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ ቤት ፅሕፈት ብሄራዊ ቤት ምኽሪ መተሓባበሪ ህዝባዊ ተሳትፎ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ፤ ህንፀት፣ ኣፈፃፅማን ኣከባብራ እምነ ኹርናዕ ዝተቐመጠሉ መበል 12 ዓመትን እቲ ግድብ ብዝምልከት ዘተ ኣካይዱ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃእን ኣይተ ደመቀ መኮንን ከምዝበልዎ፤ ኢትዮጵያውያን ብዘይ ኣፈላላይ ህንፀት እቲ ግድብ ካብ ዝተጀመረሉ መዓልቲ ጀሚሮም ደገፍ ክገብሩ ምፅንሖም ብምዝኽኻር፤ እዚ እውን ኢትዮጵያ ሓፍ ዘብል ውፅኢት ዝተምዝገበሉ ምዃኑ ሓቢሮም።

እምነ ኹርናዕ እቲ ግድብ ካብ ዝቕመጥ ጀሚሩ 18 ቢልዮን ብር ብዝተፈላለየ መንገድታት ምእካቡ ብምፅራሕ፤ እቲ ፕሮጀክት ዝመርሑን ኢትዮጵያውያንን ናብ ወለዶ ዝሸጋገር ዘኹርዕ ታሪኽ ኣሳሊጦም ኢሎም።

ኢትዮጵያውያን ንዝሓለፉ ዓመታት ብገንዘብ፣ብጉልበት፣ብፍልጠቶምን ካልኦት መዳያትን ኣበርክቶ ብምግባር እቲ ግድብ ኣብዚ ሕዚ በፂሕዎ ዘሎ ብርኪ ንክበፅሕ ምግባሮም ብምግላፅ፤ እዚ እውን ኢትዮጵያውያን ክንሓብር ከለና ክንደየናይ ዝኣክል ዓቕሚ ከምዘለና ዘርኢ እዩ ኢሎም ኣይተ ደመቀ መኮንን።

እቲ ዝተጀመረ ሰለስቲኣዊ ድርድር ኣብ ማዕቐፍ ኣፍሪካ ንክቕፅል ኢትዮጵያ ድሌት ከምዘለዋ ብምሕባር፤ ሓደ ኣካል ጥራሕ ተረባሒ ዝገብር ኣካይዳ ተቐባልነት የብሉን እውን ኢሎም።

ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣደም ፋራህ ብግድኦም፤ ኢትዮጵያውያን ንህንፀት እቲ ግድብ ዝገበርዎ ኣበርክቶ " ወለዶ ዘኹርዕ ናይ ፅባሕ ታሪኽ እዩ" ኢሎም።

ኣብ ቀፃሊ እውን እቲ ህንፀት ክሳብ ዝዛዘም ኩለመዳያዊ ደገፍ ክቕፅል ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም