"ሃገራዊ ኣተሓሳስባታትናን ሃፍትታትናን ብኣግባቡ ብምጥቃም ንኢትዮጵያ ንምብልፃግ ዓብዪ ዓቕሚ ኣለና"- ኣይተ ኣደም ፋራህ ምክትል ፕረዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና

87

አዲሰ አበባ / መጋቢት/ 23 /2015/ ኢዜአ/ "ሃገራዊ ኣተሓሳስባታትናን ሃፍትታትናን ብኣግባቡ ብምጥቃም ንኢትዮጵያ ንምብልፃግ ዓብዪ ዓቕሚ ኣለና" ክብሉ ምክትል ፕረዚዳንት ፓርቲ ብልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ገሊፆም።

ኣይተ ኣደም ፋራህ ምስ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዘፍለጥዎ፤ ኢትዮጵያ ዓብዪ ተስፋ ዘለዋ ሃገር እያ። ሃገርና ጉዕዞ ልምዓታ ብዝጀመረትሉ ኣግባብ እንተቐፂላ ዕላማ ብልፅግናና ዕላዊ ከምንገብር ዘርእዩ ሰለስተ መሰረታዊ ዓቕምታት ኣለዉ።

እቲ ቀዳማይ ጉዳይ ኣብ ኣተሓሳስባታትና ጠመተ ዝገበረ እዩ ዝበሉ ኣይተ ኣደም፣ ከም ሃገር ኮነ ከም ፓርቲ ሃገር በቀል ዝኾኑ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዕላዊ ንምግባር ዘኽእሉ ግልፂ ዝኾኑን ፅርየት ዘለዎምን ኣተሓሳስባታት ምህላዎም ሓቢሮም።

ብኻሊእ ወገን ድማ ኩለመዳያዊ ብልፅግና ኢትዮጵያ ዕላዊ ንክኸውን ዘኽእሉ ሃፍትታት ኣለውዋ። ጠቕላላ ሃፍቲ ሰብና፣ ጂኦግራፊያዊ ኣቀማምጣናን ሃፍቲታት ተፈጥሮናን ንብልፅግናና ዕላዊ ምዃን ዓብዪ ኣስተዋፅኦ ዘበርክቱ እዮም ኢሎም።

ኣተሓሳስባታትናን ሃፍትታትናን ብኣግባቡ ምርኣይ እንተኽኢልና ኢትዮጵያ ንምብልፃግ ዓብዪ ዕድል ዘለዋ ምዃኑ ብኣግባቡ ክንርዳእ ኢና። ኣተሓሳስባናን ሃፍትታትናን ንምጥቃም ድማ ከም መበል ሳልሳይ ጠንካራ ኣመራርሓ የድልየና እዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ኣተሓሳስባታትና ዝፀረዩ፣ መሰረታዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ጭቡጥ ዝገበሩን ንኢትዮጵያ ዘብልፅጉ ንክኾኑ ሰፊሕ ስራሕ ተሰሪሑ እዩ።ኮትኑ እውን በቅጻሊ አጎልቢትካ ምስራሓ ከምዝግባእ አገንዚቦም

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም