ብዘይሕጋወዊ መገዲ ዝተገጠሙ ቆፃሪታት ተታሒዞም

140

ኣዲስ ኣበባ / መጋቢት /23/ 2015 (ኢዜአ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ከባቢ ገርጂ ጎሮ ፍሉይ ስሙ ኣሳማ እርባታ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ከባቢ 17 ቆፃሪታት ብዘይሕጋወዊ መገዲ ተገጢሞም ከምዝተረኸቡ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ኢዮጵያ ኣፍሊጡ።

ብዘይሕጋወዊ መገዲ ተገጢሞም ዝተረኸቡ ቆፃሪታት ምስ ዝወድኡዎ ሓፈሻዊ ግምት ልዕሊ 343 ሺሕ ብር ከምዝኾነ እቲ ኣገልግሎቱ ገሊፁ።

ክፍሊ ሕጊ ዲስትሪክት ምብራቕ ኣዲስ ኣበባ ምስ ፖሊስ ብምትሕብባር ብዘይሕጋዊ መገዲ ዝተገጠሙ ቆፃሪታት፣ ኬብልን ዓምዲታን ተላዒሎም ናብቲ ትካል ኣታዊ ክኾኑ ከምዝተገበረ ኣፍሊጡ።

ፖሊስ እቲ ከባቢ ኣብቲ ዘይሕጋዊ ተግባር ምርመራ እናገበረ ከምዝርከብ ካብቲ ኣገልግሎት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም