ሕብረተሰብ ንግድብ ኣባይ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ተሓቲቱ

114

አዲሰ አበባ /መጋቢት/ 23 /ኢዜአ/  ሕብረተሰብ ንግድብ ኣባይ ዝገብሮ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ንክቕፅል ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ፃውዒት ኣቕሪቡ። ካብ ሓምለ 2014 ክሳብ 30 ጥሪ 2015 ኣብ ዘለዉ ኣዋርሕ 989 ሚልዮን ብር ተኣኪቡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ቤት ፅሕፈት መተሓባበሪ ፕሮጀክት እቲ ግድብ ወይዘሮ ፍቅርተ ታምር ኣብ ዝሃብኦ መግለፂ፣ እምነ ኩርናዕ ህንፀት ግድብ ኣባይ ካብ ዝተቐመጠሉ 24 መጋቢት 2003 . ጀሚሩ ኢትዮጵያውያን ኩለመዳያዊ ሓገዝ እናገበሩ ብፀኒሖም ዮም። ሕዚ ውን ተሃኒፁ ክሳብ ዝውዳእ ዝገብርዎ ሓገዝ ኣጠናኺሮም ንክቕፅሉ ሓቲተን።

ኣብ ዝተትሓዘ በጀት ዓመት ክልተ ቢልዮን ብር ንምእካብ ከምዝተተለመ ዘፍለጣ እተን ምክትል ዋና ዳይሬክተር፣ ካብ ሓምለ 2014 ክሳብ 30 ጥሪ 2015 ኣብ ዘለዉ ሸውዓተ ኣዋርሕ ጥራሕ 989 ሚልዮን ብር ተኣኪቡ ዩ። ካብዚ ውሽጢ እቲ 98 ሚልዮን ብር 8100 ሓፂር ናይ ፅሑፍ መልእኽቲ ዝተኣከበ ኢለን።

ኣተኣኻኽባ ኣታዊ ንምጥንኻር ዝተፈላለዩ መርሃ ግብርታት እናተሰርሑ ምፅንሖም ገሊፀን፣ ብቐፃልነት ዝካየዱ ዝተፈላለዩ ኩነታት ከምዝህልዉ ውን ሓቢረን።

ከም ሃገር ብብዙሕ ፈተና ውሽጢ እንተሓለፍና ውን ኢትዮጵያውያን ብዝገበርዎ ብርቱዕ ምርብራብ ህንፀት እቲ ግድብ ልዕሊ 90 ሚኢታዊ ምዝዛሙ ዘዘኻኸራ ወይዘሮ ፍቅርተ፣ ኢትዮጵያውያን ሕዚ ውን እቲ ተሳትፎኦም ዝያዳ ንክደንፍኡ አታሳሲበን

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም