ኢትዮጵያ ምስ ኮሞሮስ ንዘለዋ ርክብ ልዑል ቦታ ትህብ ኢያ- ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

86

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/ 23/ 2015 (ኢዜአ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ምስ ፕሬዚዳንት ኮሞሮስ ኣዛሊ ኣሱማኒን ዘቲዮም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ፥ እቲ ዘተ ኣብ ክልቲኣዊ፣ ዞባዊን ኩለ መዳይን ዛዕባታት ጠመተ ዝገበረ ኢዩ።

ኢትዮጵያ ምስ ኮሞሮስ ንዘለዋ ርክብ ልዑል ቦታ ትህብ ኢያ ዝበሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ዓውዲታት ዘሎ መትሕብባር ብምጥንኻር ክትሰርሕ ኣያ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም