ከንቲባ ኣዳነች ምስ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ተዛቲየን

103

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት /22/ 2015 (ኢዜአ)ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ምስ ኣምባሳደር ፈረንሳይ ኣብ ኢትዮጵያ ሬሚ ማሪሾ ተዛቲየን፡፡

ሓፍቲ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዝኾነት ከተማ ሊዮን ብተወሳኺ፤ ምስ ካልኦት ከተማታት ፈረንሳይ ኣብ ቱሪዝም ከተማ ብሓባር ዝስረሐሎም ጉዳያት ከምዝተዛተያ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ካልኦት ዓውዲታት ብሓባር ኣብ ዝስረሐሎም መገዲታት ከምዝተመያየጣ ተገሊፁ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም