ህዝቢ ክልል ሶማሌ ንፅንፈኝነት ብሓባር ብምውጋእ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ዝተመዝገቡ ዓወታት ልምዓት ንክቕፅሉ ክገብር ኣለዎ

100


አዲሰ አበባ /መጋቢት /22 /2015 / ኢዜአ/ ህዝቢ ክልል ሶማሌ ንፅንፈኝነት ብሓባር ብምውጋእ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ለውጢ ዝተመዝገቡ ዓወታት ልምዓት ንክቕፅሉ ክገብር ከምዘለዎ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ሙስጠፌ ሙሃመድ ገሊፆም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ምስ ኢዜኣ ኣብ ዝነበሮም ፃንሒት ከምዝተዛረብዎ፣ ኣብ እዋን ቅድሚ እቲ ሃገራዊ ለውጢ ዝነበረ ኣብዮታዊ ዴሞክራሲያዊ ግንባር ህዝቢ ኢትዮጵያ(ኢህኣዴግ) ጥሕሰት ሰብኣዊ መሰላትን ጭቆናን ካብ መንጎ ዝተፈፀመሎም ኢትዮጵያውያን እቲ ቀዳማይ ህዝቢ ሶማሌ እዩ።

ኢትዮጵያውያን ካብ 1983 . ጀሚሩ በቲ ገዛኢ ዓብዪ በደልን ሰቖቓን ከምዝበፅሖም ኣዘኻኹሮም፣ ህዝቢ ክልል ሶማሌ እውን ኣብ መንበሪኡ ብሰላም ተረጋጊዑ ንከይነብርን ሃፍቲ ክልሉ ኣልሚዑ ንከይጥቀምን እናተገበረ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

ንንፁሃት ምጭቋን፣ ስርቅን ምዝበራን ሃፍቲ፣ ኣገዲድካ ምድፋር፣ ማእሰርትን መግረፍትን መግለፅታት እቲ ስርዓት ኮይኖም ህዝቢ ሶማሌ ኣብ ሃገሩ ከም ጓና ንክኸውን ተገይሩ ከምዝነበረ ኣዘኻኺሮም።

ብፍላይ ድማ ቅድሚ እቲ ለውጢ ዝነበሩ ዓሰርተ ዓመታት ንህዝቢ ክልል ሶማሌ ኣብ ንብረቱ ዘይእዝዘሉ፣ ካብ ገዛ ወፂኡ ብሰላም ዘይምለሰሉ ክፉእ ግዜ ከምዘሕለፈ ሓቢሮም።

እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣተሓሒዞም እውን፣ ድሕሪ እቲ ለውጢ መንግስቲ ክልል ሶማሌ ምስ ህዝቡ ብምውዳድ፣ ምስ ዕጡቓት ሓይልታት ብዘተ ኣፈላላያት ብምፍታሕ፣ ንዝተፈናቐሉ እግሪ ብምትካል እስብቲ ክልል ዘተኣማምን ሰላም ንኽሰፍን ተገይሩ ኢሎም።

ኣብቲ ክልል ኮነ ኣብ ትካላት ፌዴራል ንመማልኢ ቁፅሪ ጥራሕ እናተገበረ ዝፀንሐ ስምሪት ኣመራርሓ ንክቐሪ ብምግባር ብብቕዓቶም ተወዳዲሮም ንኢትዮጵያ ከገልግሉ ዝኽእሉ ብቑዓት ኣመራርሓታት ምፍራይ ከምዝተኽኣለ እውን ከምኡ።

ህዝቢ ክልል ሶማሌ ኣብ ከባቢኡ ብዝሰፈነ ሰላምን ምርግጋዕን ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ልምዓት ተዋፊሩ ውሕስነት ምግቡ ንምርግጋፅ ፃዕሪ እንስገበረ ከምዝኾነ እውን ገሊፆም።

ንእስብነት እውን ተበፃሕነት ግልጋሎት ጥዕና ህዝቢ እቲ ክልል ንምስፋሕ ካብ ዝተሰርሑ 18 ሆስፒታላት እቶም ትሽዓተ ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ዓመታት ለውጢ ከምዝተሰርሑ ሓቢሮም።

ኣብቲ ክልል 260 ዓመቑቲ ጉድጓዳት ማይ ከርሰ ምድሪ ብምኹዓት ኣናእሽቲ ግድባት ብምስራሕ፣ ሸሞንተ ከተማታት ቀረብ ማይ ንክህልወን ብምግባር ብዙሓት መንደራት ዘራኽብ መስመር ማይ ብምዝርጋሕ ሽፋን ማይ እቲ ክልል ብዕፅፊ ምዕባይ ተኻኢሉ እዩ እሎም።

ህዝቢ ክልል ሶማሌ "ኣብ ንብረቱ ዘይእዝዘሉ፣ ስብኣዊ መሰሉ ዝገሃሰሉ ዘመን ሕዚ ኣብቂፁ እዩ" ዝበሉርእሰ ምምሕዳር ሙስጠፌ፣ "ብግብርናን ዝተፈላለዩ ዘፈራት ልምዓትን ዝተመዝገቡ ዓውታት ቀፀልቲ ንምግባር ሰላም እቲ ክልል ብንቕሓት ክሕለው ከምዘለዎ" ኣትሓሳሲቦም።

ድሕሪ እቲ ለውጢ ኣብ ኣካላት ፍትሒ፣ ኣብ ትካላት ወሃብቲ ግልጋሎት ህዝቢ ከምኡ እውን ኣብ ትካላት ዴሞክራሲ ብዙሓት ለውጥታት ተገይሮም ጭቡጥ ለውጢ ምምዝጋቦም እውን ኣልዒሎም።

ይኹን እምበር ቋንቋ፣ ሃይማኖትን ዘርእን ሽፋን ዝገበረ ኣካይዳ መኽረራይነትን ፅንፈኝነትን እቲ ህዝቢ ትቓሊሱ ንዘምፅኦ ለውጢ እናፈተኖ ምዃኑ ተዛሪቦም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም