ኣብ ከይዲ ለውጢ ኢትዮጵያ ብኩሎም ዓውድታት ዝተመዝገቡ ውፅኢታት ንምቕፃል መንግስቲ ብዝለዓለ ዓቕምን ቆራፅነትን ክሰርሕ እዩ-ኣብ ቤት ምኽሪ ሚኒስትር ተፀዋዒ መንግስቲ

113

ኣዲስ ኣበባ/መጋቢት 22/2015 (ኢዜኣ) ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝብታት ኣባላት ፓርቲ ብልፅግና ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርቲ ብዘመሓላለፎ ውሳነ መሰረት ዘተ ምክያድ ጀሚሮም።

"ዝተረኸቡ ዓወታት ምፅናዕን ፈተናታት ምሽጋርን" ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ሓሳብ ኣብ ምክያድ ዝርከብ እቲ መድረኽ ዘተ፤ ኢትዮጵያ ኣብ መስመር ለውጢ ንክትጎዓዝ ፓርቲ ብልፅግና ብርክት ዝበሉ ውፅኢታት ምምዝጋቡ ተገሊፁ።

ኢትዮጵያ ካብ ዝነበረቶ ኢኮኖሚያዊ ፀገም ብምድሓንን ምህዳር ፖለቲካ ብምስፋሕ ህንፀት ስርዓት ዲሞክራሲ ክውን ክኸውን ብምግባርን ብዙሓት ዓወታት ምምዝጋቦም ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሮም።

 ምሕረት ምግባር፣ብምኽንያት ፖለቲካዊ ኣመለኻኽተኦም ተኣሲሮምን ካብ ሃገር ወፂኦምን ዝነበሩ ሓይልታት ብምፍታሕን ናብ ሃገሮም ክምለሱን ብምግባር ብነፃነት ኩለመዳያዊ ተሳትፎ ክህልዎም ምግባሩ ኣብ ምስፋሕ ምህዳር ፖለቲካ ካብ ዝተመዝገቡ ዓወታት ምዃኖም እውን ተፀሪሖም።

ኣብቶም ናይ ለውጢ ዓመታት፤ ኢኮኖሚ ኢትዮጵያ ካብ ዝነበሮ ሓፍ ክብል ብምግባር ከምኡ እውን ናይ ወፃኢ ዕዳ ናይ ምቕናስን ሃገር ቦቆል መመሓየሺ ኢኮኖምን ምስላጦም ካብቶም ዝተረኸቡ ጭቡጣት ውፅኢታት ምዃኖም ኣብቲ መድረኽ ተላዒሎም። 

ብመዳይ ምቕፃል ሃገራዊ ልምዓትን ዕቤትን ሓምለዋይ አሰር ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ካብ ዝነበሮ ፀገም ብምውፃእ ሕዚ ዘለዎ ብርኪ ህንፀት ክበፅሕ ምግባርን ተፀሪሖም።

ኢትዮጵያ ካብ ተፀባይነት ስርናይ ወፂኣ ምህርቲ ናብ ወፃኢ ምልኣኽ ዝጀመረትሉ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ምዃኑ እውን ኣብቲ መድረኽ ተሓቢሩ።

ኣብ እዋን እቲ ለውጢ ዘጋጠሙ ፈተናታት ንምፍታሕ ዝተገበሩ ፃዕርታት ብምግላፅ ኣብ ቀፃሊ እውን ፀገማት ብሓባር ናይ ምፍታሕ ስራሕቲ ክቕፅል እዩ ተባሂሉ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም