ከባቢ ገረዓልታ ኣካል ፕሮጀክት‹‹ገበታ ንወለዶ›› ከምዝኾነ ተገሊፁ

129

አዲስ አበባ / መጋቢት/ 21 /2015 / አዜአ / መንግስቲ ፌደራል ‹‹ገበታ ንወለዶ/ ገበታ ለትልውድ›› ብዝብል ካብ ዝሓዞም ሸሞንተ ፕሮጀክታት እቲ ሓደ ኣብ ትግራይ ከባቢ ገረዓልታ ዝስራሕ ከምዝኾነ ቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ ገሊፆም፡፡

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር  ከምዝገለፅዎ፤‹‹ገበታ ንሸገር፤ገበታ ንሃገር›› ዝብሉ ፕሮጀክትታት ዕውት ስራሕ ተሰሪሑ’ዩ፡፡ሐዚ ድማ ‹‹ገበታ ንወለዶ›› ብዝብል ካብ ዝስራሑ ስራሕቲ ሓደ ኣብ ትግራይ ከባቢ ገረዓርታ ዝስራሕ ፕሮጀክት’ዩ፡፡

እቲ ኣብ ትግራይ ከባቢ ገረዓልታ ዝስራሕ ፕሮጀክት ሐዚ ጀምርናዮ ሰላም ዘጠናኽር’ዩ ዝበሉ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር፣ ኣብ ካልኦት ከባቢታት ኢትዮጵያ ኣብ ወሎ ኣብ ጥቓ ሃይቅ ዝስራሕ ሪዞርት ፣ ኣብ ጅማ ፣ኣብ ዓፋር፣ኣብ ኣርባምንጭ፣ኣብ ከልል ሶማል፣ብውልቀ ድማ ኣብ ክልል ቤኒሻጉል ጉምዝ ከባቢ ግድብ ህዳሴን ከባቢ ሚዛን ንምስራሕ ተተሊሙ ‘ዩ፤ እዚ እንትስራሕ ንታሪኽ ዝሰጋገር ስራሕ ከምዝኾነ ኣመልኪቶም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም