መንግስቲ ንሰላም ብዘለዎ ቑርፀኝነት ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ይርባሕ ስለዚ ሰላምና ነፅንዕ፡፡

1615

መንግስቲ ንሰላም ብዘለዎ ቑርፀኝነት ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ይርባሕ ስለዚ ሰላምና ነፅንዕ፡፡

ስምምዕነት ፕሪቶሪያ ካብ ዝፍረም ጀምሩ ኣብ ትግራይ ሰላም ዓሲሉ ኣሎ፡፡ ህዝቢ ናብ ንቡር መነባብሮኡ ኣብ ምምላስ ይርከብ፡፡ወረ ኹናት ብወረ ሰላም፤ድምፂ ጥይት ብድምፂ መዝሙር ሰላም ተተኪኡ ኣሎ፡፡እዚ ክኸውን ዝኸኣለ መንግስቲ ፌዴራል ንሰላም ብዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋም ንቲ ስምምዕነት እናተግበሮ ብምምፃኡ'ዩ፡፡በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ተረባሒ እናኾነ ይርከብ፡፡ኣብዚ ሐዚ እዋን መንግስቲ ኢትዮጵያ ንህወሓት ካብ ስያመ ግብረ ራዕዲ ኣልዒሉ ንግዝያዊ ምምሕዳር ትግራይ ዝመርሕ ርእሰ ምምሕዳር መዲቡ ኣሎ፡፡ኣፈፃሚ ስራ እቲ ግዝያዊ ምምሕዳር ኣሳታፋይን ሓቋፋይን ንክኾን ንቶም ርእሰ ምምሕዳር ሓላፊነት ሂቡ ኣሎ፡፡እዚ ንሰላም ካብ ዘለዎ ቁርፀኛ ቅዋም ዝብገስን ንህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ካብ ዘለዎ ድሌት ዝብገስ እዩ ሰላም ሕዚ ብዓብይኡ ኣብ ዝሓሸ ኩነታት 'ዩ ዘሎ፡፡ ናብ ዝተማለአ ሰላም ንምጉዓዝ ብርክት ዝበሉ ስራሕቲ ምስራሕ ዘድሊ 'ኳ እንተኾነ ብንፅፅር ከንሪኦ እንተለና ግና ኩነታት ሰላም ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብ ዝሓሸ ደረጃ 'ዩ ዘሎ፡፡ እቲ መርኣያ ከም ሃገር ኣብ ፕሮጀክት ‹‹ገበታ ለትውልድ›› ካብ ዝተደሓዙ ሸሞንተ ፕሮጀክትታት ሓደ ኣብ ከባቢ ገረዓልታ ዝሰርሕ ከምዝኾነ እዩ፡፡ብዚ'ውን ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ይኸውን፡፡እቲ ሰላም ዝያዳ እናዓሞቐን እናተፈፀመን እንትኸይድ ድማ ዝያዳ ተረባሒ ይኸውን፡፡እዚ ሐዚ ረኺቢናዪ ዘለና ሰላም ብቐሊሉ ዝመፅአ ኣይኮነን፡፡ኮይኑ ግና መንግስቲ ሰላም ምምፃእ ብጣዕሚ ኣድላዪ ከምዝኾነ ስለዝኣምን ንሰላም ሰሪሑ ኣሎ፤ይሰርሕ'ውን ኣሎ፡፡ ምኽንያቱ ሰላም ንምምፃእ ካብ ኵናት ብዘይነኣኣስ ትግሃትን ድኻምን የድሊ። ስለዚ መላእ ማሕበረሰብ ሃገርና ካብኡ ትፅቢት ዝግበር ፃዕሪ ክገብር ይግባእ፡፡ኣብዚ ሐዚ እዋን ካብ ዝኾነ ህዝቢ ንላዕሊ ህዝቢ ትግራይ ካብ ሰላም ዝያዳ ተረባሒ ስለዝኾነ እቲ ተጀሚሩ ዘሎ ሰላም ዘላቒ ንክኸውን ክሰርሕ ኣለዎ፡፡መንግስቲ ፌደራል ኣሽምባይዶ ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ሰላም ኣብ ካልኦት ክፋል ኢትዮጵያ ዘለው ጎንፅታት'ውን ብሰላም ንምፍታሕ ብቁርፀኝነት እናሰርሐ'ዩ፡፡ብሓፈሻ ብወገን መንግስቲ ፌደራል ኣብ መላእ ሃገር ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ልቢ ዓዕብዩ እናሰርሐ ይርከብ፡፡ኣብ ትግራይ ዝተጀመረ ሰላም ድማ ዝያዳ ንክዓሙቕን ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብቕልጡፍ ተጀሚሩ ውፅኢታዊ ንክኸውን ብቑርፀኝነት እናሰርሐ ይርከብ፡፡በዚ ድማ ህዝቢ ትግራይ ዝያዳ ተረባሒ

ይኸውን፡፡ስለዚ ሰላምና ነፅንዕ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም