ትውልዲ ምድማር ማእኸል መዘናግዒ ስፖርት ንህፃናትን መናእሰይን መጀመሪ መርሃ ግብሪ ተሳሊጡ - ኢዜአ ትግርኛ
ትውልዲ ምድማር ማእኸል መዘናግዒ ስፖርት ንህፃናትን መናእሰይን መጀመሪ መርሃ ግብሪ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/21/ 2015 (ኢዜአ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ክፍለ ከተማ ንፋስ ስልክ ላፍቶ ትውልዲ ምድማር ማእኸል መዘናግዒ ስፖርት ንህፃናትን መናእሰይን መጀመሪ መርሃ ግብሪ ተሳሊጡ።
ኣብቲ ስነ ስርዓት፥ ከንቲባ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣበቤ፣ ኣመራርሓ ከተማን ክፍለ ከተማን፣ ነበርቲን ፃውዒት ዝተገበረሎም ኣካላትን ተረኺቦም።
ከንቲባ ኣዳነች፥ ብኣተሓሳስባ መድማር ትውልዲ ብምህናፅ ብኣእምሮን ኣካልን ብምምዕባል ብሃገሩ ዝኾርዕ ትውልዲ ምፍራይ ይግባእ ኢለን።
ትውልዲ ምድማር ብተግባር ዘርኣየ መርሃ ግብሪ ህንፀት ብምጅማር ናይ ትማሊ ኣቐፂልና ሎሚ ዝበለፀ ብሩህ ንምግባር ደቅና ብምምሃርን ብምምካርን ብስፖርቲን ስነ ምግባርን ዝተሃነፁ ንክኾኑ ኣብ ምግባር ሓላፍነት ኣለና ምባለን ካብ ኮሚኒኬሽን እታ ከተማ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።