ሚኒስቴር ሕርሻ ንክልል ሶማሌ ልዕሊ 160 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

545

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/20/2015 (ኢዜአ)ሚኒስቴር ሕርሻ ኣብ ክልል ሶማሌ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል  ልዕሊ 160 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ፥ ሚኒስትር ሕርሳሻ ግርማ ኣመንቴ ( ዶ/ር) ንርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ ኣረኪቦምዎም፡፡

ዝተገበረ ሓገዝ ኣብቲ ክልል ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂን ውሕጅን ሓገዝ ዘድልዮም ንዜጋታት ዝውዕል ከምዝኾነ ኣይተ ሙስጠፌ ተዛሪቦም፡፡

ኣይተ ሙስጠፌ÷ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ዝገበሮ ሓገዝ ኣመስጊኖም፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም