ሚኒስቴር ሕርሻ ንክልል ሶማሌ ልዕሊ 160 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ - ኢዜአ ትግርኛ
ሚኒስቴር ሕርሻ ንክልል ሶማሌ ልዕሊ 160 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ/ መጋቢት/20/2015 (ኢዜአ)ሚኒስቴር ሕርሻ ኣብ ክልል ሶማሌ ብድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ዝውዕል ልዕሊ 160 ነጥቢ 1 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።
እቲ ሓገዝ፥ ሚኒስትር ሕርሳሻ ግርማ ኣመንቴ ( ዶ/ር) ንርእሰ ምምሕዳር ክልል ሶማሌ ሙስጠፌ መሓመድ ኣረኪቦምዎም፡፡
ዝተገበረ ሓገዝ ኣብቲ ክልል ብምኽንያት ዘጋጠመ ሓደጋ ድርቂን ውሕጅን ሓገዝ ዘድልዮም ንዜጋታት ዝውዕል ከምዝኾነ ኣይተ ሙስጠፌ ተዛሪቦም፡፡
ኣይተ ሙስጠፌ÷ ሚኒስቴር ሕርሻ ኣብ ፀገም ንዝርከቡ ዜጋታት ዝገበሮ ሓገዝ ኣመስጊኖም፡፡