ፍልጥቲ ስነጥበባዊት ፈላሲት እማሆይ ጽጌ ማርያም ገብሩ ዓሪፈን

95

ፒያኖ ብምጽዋት ዝፍለጣ ዝነበራ ፍልጥቲ ኢትዮጵያዊት ፈላሲት እማሆይ ጽጌ ማርያም ገብሩ ከምዝዓረፋ ቤተሰበን ገሊጾም።

ኣብ 1916 (1923) ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ከምዝተወለዳ ዝንገረለን እተን ፈላሲት፡ ብዕድመ ምስ ደፍኣ ኣብ ሃገረ እስራኤል፡ ኣብ ከተማ ዮሩሳሌም ይነብራ ከምዝነበረ ይፍለጥ።

ዜና ዕረፍተን ምስተሰምዐ ኣብቲ ፍሉጥ ኢትዮጵያዊ ቤት ትምህርቲ ሙዚቃ ያሬድ "እማሆይ ጽገ-ማርያም ገብሩ" ዝተሰመየ 15 መዓልታት ዝጸንሕ ናይ ዝኽሪ መደባት ክካየድ ምዃኑ፡ መምህር እዝራ ኣባተ ንቢቢሲ ገሊጹ።

እማሆይ፡ ምስ ሓብተን፡ ንመጀመርያ ጊዜ ሓንቲ ካብተን ንኽመሃራ ንወጻኢ ዝተላእካ ኢትዮጵያውያን እየን ነይረን።

ኣብ ስዊዘርላንድ ንመጀመርያ ጊዜ ሓደ ሙዚቃዊ-ምርኢት ይርእያ' - ሓደ ዓይነ-ስዉር ዘቕረቦ - እቲ ምርኢት ኣብ ልበን ሰሪጹ ተረፈ።

ጓል ሸሞንተ ዓመት ምስኮና፡ ኣብቲ ዝነብራሉ ዝነበራ ኣሕዳሪ ቤት ትምህርቲ ንመጀመርያ ጊዜ ምስ ፕያኖን ቫዮሊንን ተፋለጣ፣ ፍቕሪ ሙዚቓ ብኡ ኣቢሉ ተኣታተወን። ብጠርበሽበሽ ጀሚረን ድማ ኣብቲ ዝማዕበለ ደረጃ በጽሓ።

ናብ ሃገረን ኢትዮጵያ ድሕሪ ምምላሰን ከኣ ኣብ ምምዕባል ሙዚቃ ዓቢ ግደ ከምዝተጻወታ ይንገረለን። ብፍላይ መሳርሒታት ቫዮሊንን ፒያኖንን ኣብ ምውህሃድ መሪሕ ተራ ከምዝነበረን ይንገር።

ንእስነተን ከይጸገባ ግን፡ ኣብ መበል 21 ዓመተን ናብ መንፈሳዊ ህይወት ስለዘዘንበላ፡ ዓለም መኒነን ናብ ምንኩስና ኣምርሓ። ካብ ኣዲስ ኣበባ ሃዲመን ከኣ ንሰሜን ኢትዮጵያ፡ ናብ ወሎ ኣርሒቐን ከዳ።

ከም ባሕታዊት ኣብ ዎሎ ዝርከብ ቅዱስ እምባ፡ ብጊሸን-ማርያም ዝፍለጥ ደብሪ፡ ኣብ ጸሎትን ኣስተንትኖን ተኣሊኸን ጣዕሚ ዝነበሮ ህይወተን ራሕሪሐን መንፈሳዊ ጉዕዞ ጀመራ። ንዓሰርተ ዓመታት ኣብቲ ደብሪ ናይ ባሕታውያን ህይወት ተቛደሳ። እቶም ኣቡን ናይቲ ደብሪ ምስ ሞቱ ግን እማሆይ ንኣዲስ ኣበባ ተመለሳ።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ተመሊሰን ምስ ኣዲአን ክነብራ ጀመራ። ኣብኡ ቀስ ኢለን እቲ ንነዊሕ እዋን ኣቋሪጸንኦ ዝነበራ ሰሌዳ-መፋትሕ-ፕያኖ ተመለስኦ። ለይተ-ለይቲ ካብ ድቃሰን ተበራቢረን መንፈስ ናይ ጥንታዊት ኢትዮጵያ ዝሓዘለ ግናኸ ንዘመናት ስዒሩ ቦሎኽ ዝበለ ተምሳጥ ክፍትሽኦ ጀመራ።

እቲ ዉሕለተን ተመለሰ፡ ኣስተንትኖአን ናብ ሙዚቃ እናተርጐማ፡ ምስ ዜርሽሽ ናይ ዎልስ ሙዚቃ ኣወሃሂደን ግሩም ዝዀነ ዜማታት ክደርሳ ጀመራ ... ባዕለን ዝደረስኦ ዜማ።

ማርክሳዊ ወተሃደራዊ መንግስቲ (ደርግ) ኣብ ኢትዮጵያ ስልጣን ምሓዙ ግን ንኵነታት እማሆይ ተፈታተኖ።

ብሰንኩ ድማ፡ ናብ ስደት ኣምርሐን ናብ ከተማ የሩሳሌም ኣተዋ። ንመጀመርያ ጊዜ ኣብኡ ዝርከብ ናይ ኦርቶዶክስያዊት ኣባታዊ-ምሕደራ ኣትየን ከም ተርጓሚት ስርሐን ጀመራ።

ኣብ ስራሕ ይንበራ'ምበር ኣብ ገዳም ደብረ-ገነት፡ መንበሪአን ቦታ - ብጐደና ኢትዮጵያ ዝፍለጥ - ኰይነን ብፒያኖአን ሙዚቃ ክውርባን ክጻወታን ዓዲ ኣይወዓላን።

ኣብ 1996 ብኢትዮፒክስ ዝፍለጥ፡ ንሙዚቃ ኢትዮጵያ ኣብ ታሪኻዊ መዛግብ ዓለም ዘእተወ ኩባንያ፡ ንዉረባ ናይ'ዘን ፈላሲት ብመልክዕ ቅጺ-21 ኣብ ዓለም ዘርገሒዎ ይርከብ።

ብስመን ሓደ ትካል-ረዲኤት ቈላዑ መስሪተን ኣሎዋ - ቈልዑ ናይ ሙዚቃ መሳርያ ዝረኽብሉን ናይ ሙዚቃ ትምህርቲ ዝቐስምሉን ትካል።

ማያ ዱኔትዝ፡ ናይ ቀረባ መሓዛ እማሆይ ጽጌ ማርያም እያ፡፡ ናብቲ ዝነብራሉ ገዳም እናኸደት ትበጽሐን እያ፡፡ ንሳ እውን ፒያኖ ብምጽዋትን ካልኦት ስራሕቲ ጥበብ ትፍለጥ፡፡ ምሕዝነተን ልዕሊ 15 ዓመት ኮይኑዎ ኣሎ፡፡

ንሳ ምስ ስራሓት እመሆይ ዝተላለየት ናይ ኢትዮፒክስ ሲዲ ምስተሓተመ ከምዝኾነ ንቢቢሲ ኣምሓርኛ ተዛሪባ፡፡

''ፍራንሲስ ንሙዚቃ ኢትዮጵያ ዓብይ ውዕለት ውዒሉ እዩ፡፡ ኣብ ዘለዎ ምስጋናይ ይብጸሓዮ፡'' ትብል ማያ፡፡

ፈረንሳዊ ፍራንሲስ ፋልሴቶ፡ ናይ እመሆይ ጥራሕ ዘይኮነስ ኣብ 1960ታትን 70ታትን ዝነበሩ ተፈተውቲ ናይ ኢትዮጵያ ሙዚቃታት ናብ ዓለም ዘፋለጠ ሙዚኮሎጂስትን ኣወሃሃድን እዩ፡፡

''ኣቦ ኢትዮ ጃዝ'' ተባሂሉ ዝፍለጥ ሙላቱ ኣስታጥቄ ብዛዕባ እመሆይ እንትገልጽ፡ ''እማሆይ ብሓቂ ኣመና ዘድንቐንን ዘኽብረንን ዓባይ በዓልቲ ሞያን ሰብን እየን፡፡ ንሙዚቃ ኢትዮጵያ ዓብይ ስራሕ ሰሪሐን እየን ኢለ እኣምን፡፡ ንኮንሰርት ናብ እየሩሳሌም ኣብ ዝኸድኩሉ ረኺበየን ኣዕሊልና ኢና፡'' ይብል፡፡

እማሆይ ናብ እስራኤል ምስከዳ ድሕሪ ክልተ ዓመት፡ ናይ ሙዚቃ ስራሓውተን ንምጽሓፍን ንምሕታምን ክትሕግዘን ንማያ ጻውዒት ገይረናላ፡፡ በዚ መሰረት 12 ዝኾኑ ናይ ፒያኖ ውሁድ ስራሓውተን ብኖታ ተሓንጺጾም ብመልክዕ መጽሓፍ ተሓቲሞም እዮም፡፡

ጋዜጠኛ ራድዮ ፎር ኬት ሞሌሰን፡ ''ሙዚቀአን ንምሕታም ብኸመይ ወሲነን?'' ክትብል ንእማሆይ ሓቲታተን፡፡

''ሙዚቃታተይ ንካልኦት ከካፍሎም ስለዝደሊ እዩ፡፡ ዘለኒ ምክፋል ይደሊ እየ። ካልእ ሰብ' እንተዘይተረደአኒ ሙዚቀኛታት ይርድእዎ እዮም'' ብምባል መሊሰን፡፡

ስራሕቲ ሙዚቃ እማሆይ ንብዙሓት ከም ዘለዓዓለ እትገልጽ ማያ፡ ብዝተፈላለዩ ቋንቋታት ዝተዳለዉ ናብ ህዝቢ ዘይቀረቡ ሓያሎ ስራሓት ከምዘለወን ትዛረብ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም