ሓቛፋይ ምጣነ ሃፍቲ ዲጂታል ክውን ንምግባር ፍልጠትን ክእለትን ኣብ ምዕባይ እናተሰርሐ እዩ

ኣዲስ ኣበባ መጋቢት 18 2015 / (ኢዜኣ) ኢትዮጵያ ሓቛፋይ ምጣነ ሃፍቲ ዲጂታል ክውን ንምግባር ፍልጠትን ክእለትን ኣብ ምዕባይ ትኹረት ገይራ እናሰርሐት ምዃና ተገሊፁ።

ዓለም ለኸ መዓልቲ ደቂ ኣንስትዮ፤ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውሕመ ዲጂታል ተረባሕነት ደቂ ኣንስትዮ ምዕባይ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ብምዝታይ ኣኽቢርዎ።

ኣብቲ እዋን፤ ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ቴክኖሎጅን ኢኖቬሽንን ሁርያ ዓሊ ኣብ ኢትዮጵያ ብዓውዲ ቴሌኮም ዝግበሩ ዘለው ምምሐያሻት ኣብራህሪሀን።

ኢትዮጵያ ተግባራዊ እናገበረቶ ኣብ ዘላ መርሃ ግብሪ ዲጂታል 2025 ደቂ ኣንስትዮ ቴክኖሎጂ በቲ ዝድለ ብርኪ ከይርብሓ ካብ ዝገበርዎን ምኽንያታት እቲ ሓደ ሕፅረት ዲጂታል ፍልጠትን ክእለትን ምዃኑ ገሊፀን።

ስለዝኾነ እውን ናይ ደቂ ኣንስትዮ ዲጂታል ዓቕሚ ንምዕባይ ፍልጠትን ክእለትን ትኹረት ዝገበሩ ስራሕቲ ብምስላጥ ሓቛፋይ ምጣነ ሃፍቲ ንምፍጣር እናተሰርሐ ምዃኑ ተዛሪበን።

ኣብቲ ዘተ ዝተረኸቡ ተወካሊ ኮሚሽን ኢኮኖሚክ ኣፍሪካ ውሕመ፤ ኢትዮጵያ ኣብ ዲጂታል 2025 ዝሓዘቶም ትልምታት ንምዕዋት እቲ ኮሚሽን ደገፍ ከምዝገብር ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም