ዝተረፉ ፀወታታት ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ካብ 23 መጋቢት ጀሚሮም ክካየዱ ኢዮም

568

ኣዲስ ኣበባ / መጋቢት/ 18/ 2015 (ኢዜአ)ዝተረፉ ፀወታታት ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ካብ 23 መጋቢት 2015 ዓ.ም ጀሚሮም ክካየዱ ኢዮም።

ማሕበር ኣክሲዮን ቤትኪንግ ፕሪሚየር ሊግ ኢትዮጵያ ውድድር 2015 ዓ.ም ዝጅምረሉ ቀፃሊ መርሃ ግብሪ ንጋንታታት ዕላዊ ገይሩ።

ብመሰረት እዚ ካብ መበል 17 ክሳብ 27 ሰሙን ዘለዉ ፀወታታት ኣብ ከተማ ኣዳማ ስታዲየም ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማን ኣብ ከተማ ሃዋሳ ዩኒቨርሲቲ ሃዋሳን ክካየዱ ኢዮም፡፡

ሙሉእ መርሃ ግብሪ እቲ ውድድር ኣብ ቀረባ እዋን ንጋንታታት ከምዝገልፅ ካብ ቤትኪንግ ፕሪሜርሊግ ኢትዮጵያ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም