እቲ ሆስፒታል ንሕብረተሰብ ዝሓሸ ግልጋሎት ንምሃብ ስርዓት ኣተሓሕዛ መረዳእትኡ ከዘምን ከምዝግባእ ቀዋሚ ኮሚቴ ኣተሓሳሲቡ

አዲሰ አበባ/ መጋቢት/ 18/ኢዜአ /ኣብ ቤት ምኽሪ ተወከልቲ ህዝቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ጥዕና፣ ማሕበራዊ ልምዓት፣ ባህልን ስፖርትን ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስ ንሕብረተሰብ ዝሓሸ ግልጋሎት ንምሃብ ስርዓት ኣተሓሕዛ መረዳእትኡ ከዘምን ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቡ።

እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ስፔሻላይዝድ ሆስፒታል ቅዱስ ጴጥሮስ ንሕብረተሰብ እናሃቦ ዝርከብ ግልጋሎት ተመልኪቱ።

እቲ ሆስፒታል ንሕብረተሰብ ቅልጡፍን ደረጅኡ ዝሓለወን ግልጋሎት ሕክምና ንምሃብ ስርዓት ቅብብል መረዳእትኡ ከዘምን ከምዘለዎ ኣመላኺቶም።

ኣብቲ ሆስፒታል ንኣዴታትን ህፃናትን ብፍሉይ ኩነታት እናተውሃበ ዝርከብ ግልጋሎት ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዘለዎ እውን ገሊፆም።

መራሒ ጉጅለ ሜዳ እቲ ቀዋሚ ኮሚቴ ዶክተር ማህተመ ሃይሌ፣ እቲ ሆስፒታል ኣብቲ ከተማ ምስ ዘለዉ ትካላት ብቀረባ እናሰርሐ እንተኾነ እውን፣ ብርኪ ግልጋሎቱ ብዝበለፀ ንምዕባይን ቀፃልነት ንክህልዎን ንምግባር ሕፅረት ግብኣት ላብራቶሪን ኣቕርቦት መድሓኒትን ምእላይ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ዋና ስራሕ መካየዲ እቲ ሆስፒታል ዶክተር መታሰቢያ መኮንን ብወገኖም፣ እቲ ሆስፒታል ዝተውሃቦ ልእኽቶ ብኣግባቡ ንምውፃእ ንበዓልሞያታቱ ስልጠና ብምሃብ ኣብቲ ከተማ ንዝርከቡ ትካላት ጥዕና ብምሕጋዝ ሕብረተሰብ ዝሓሸ ግልጋሎት ጥዕና ንክረክብ ይስራሕ ከምዘሎ ኣረዲኦም።

ኣብቲ ሆስፒታል ሕፅረት ማይ ብምህላዉ ነቲ ፀገም ንምፍታሕ ይስራሕ ከምዘሎ እውን ዶክተር መታሰቢያ መኪንን ገሊፆም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም