ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ብዝተስተውዓለ ምቕናስ ውፅኢት ካብ ምጥዓስ ፍታሕ ኣብ ምምፃእ ጠመተ ምግባር እዩ ዝግባእ - ርእሰ ምምሕዳር ኣይተ እርስቱ ይርዳው

69

 

 

ኣብ ክልል ደቡብ ኣብ መበገሲ ምኽንያታት ምቕናስ ውፅኢት ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ጠመተ ዝገበረ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ ወላይታ ሶዶ ተኻይዱ።

ርእሰ ምምሕዳር ክልል ደቡብ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኣይተ እርስቱ ይርዳው ኣብቲ መድረኽ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ዘፈር ትምህርቲ ብዝተስተውዓለ ምቕናስ ውፅኢት ካብ ምጥዓስ ፍታሕ ኣብ ምምፃእ ጠመተ ክንገብር ይግባኣና።

ዘፈር ትምህርቲ ፅርይርት ዘለዎን ውፅኢታዊን ንክኾን ክንሰርሕ ይግባኣና ዝበሉ እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብቲ ዘፈር ንዝስትውዓሉ ፀገማት ንምፍታሕ ግደ መምህራንን ተምሃሮን ልዑል ክኸውን ከምዝግባእ እውን ኣመላኺቶም።

ኣብቲ ስርዓተ ትምህርቲ ንዝስትውዓሉ ፀገማት ተፃዊሮም ኣብቲ ክልል ኣብ ዘመን ትምህርቲ 2014 ሃገራዊ ፈተና 12 ክፍሊ ልዑል ውፅኢት ብምምፃእ ዝለዓለ ውፅኢት ዘመዝገቡ ተምሃሮ ምህላዎም እውን ንኣብነት ኣልዒሎም።

እቲ ስርዓተ ትምህርቲ ብዙሕ ዝጎደሎ ነገር ይሃልው እምበር ንሃገርና ዝለዓለ ኣስተዋፅኦ ዘበርከቱ ተመራመርቲ ምፍራይ ከምዝተኽኣለ እውን እቶም ርእሰ ምምሕዳር ኣብ ዝርርቦም ጠቒሶም።

መምህራን ዘለዎም ሓላፍነት ትውልዲ ምህናፅ ብብቕዓት ብምውፃእ ልዑል ግደ ኣለዎም፣ ተምሃሮ እውን ምሉእ ጠመተኦም ኣብ ትምህርቲ ብምግባር ንዕቤት ሃገሮም ብፅሒቶም ክዋፅኡ ከምዘለዎም እውን ተዛሪቦም።

ኣብቲ ክልል ኣብ ፈተና 12 ክፍሊ 2 ነጥቢ 6 ሚኢታዊ ተምሃሮ ጥራሕ ዝሓሸ ውፅኢት ክምዘመዝገቡ ጠቒሶም ንምንቁልቋል እቲ ውፅኢት ምኽንያት ዝኾኑ ፀገማት ብምፍታሽ ናብ ዝሓሸ ዓወት ንክንበቅዕ ምስራሕ ይግበኣና።

ብመዓርግ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር መተሓባበሪ ማሕበራዊ ክላስተርን ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ክልልን ዶክተር ዲላሞ ኦቶሬ ከምዝገለፅዎ፤ ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ዝተርኣየ ኣብ ፅርየት ትምህርትን ተበፃሕነትን ዝስትውዓል ፀገም ንምቕናስ ውፅኢትውነት ትምህርቲ መልዐሊ ካብ ምንጎ ዝኾኑ ምኽንያታት ተጠቃሲ ምዃኑ ተዛሪቦም።

ዘፈር ትምህርቲ ብምዝማን ዝሓሸት ሃገር ንምምስራት ሓበራዊ ፃዕሪ ምግባር ይግበኣና ክብሉ እውን ተዛሪቦም።

ኣብቲ ዘፈር ንዘጋጠመ ፀገም ውፅኢት እውን ግደ መራሕቲ፣ መምህራን፣ ተምሀሮን ሕብረተሰብን ልዑል ክኸውን ከምዝግባእ መረዳእታ ኮሙኒኬሽን መንግስቲ እቲ ክልል የመላኽት።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም