መንግስቲ ዝኣተዎ ቃል ተግባራዊ እናገበረ ምዃኑ ኮሚሽን ሰብ ሞያታት ሰብኣዊ መሰል ውሕመ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ መጋቢት 16 2015 / (ኢዜኣ) ብመሰረት ኣብ ፕሪቶርያ ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ጎንፂ ብዘላቕነት ንምፍታሕ መንግስቲ ፌዴራል ዝኣተዎ ቃል ተግባራዊ እናገበረ ምዃኑ ኮሚሽን ሰብ ሞያታት ሰብኣዊ መሰል ውሕመ ኣፍሊጡ።

ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውድብ ሕቡራት መንግስትታት መበል 52 ኣኼብኡ ኣብ ስዊዘርላንድ ጀኔቫ ኣካይዱ።

ኣብቲ ኣኼባ፤ ኮሚሽን ዓለም ለኸ ሰብ ሞያታት ሰብኣዊ መሰል ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ኣመልኪቱ ዝርዝር ፀብፃብ ነቲ ቤት ምኽሪ ብምቕራብ ዘተ ተገይርሉ።

ኣካቢ እቲ ኮሚሽን መሓመድ ቻንዴ ኦትማን ኣብቲ ኣኼባ ከምዝበልዎ፤ እቲ ኮሚሽን ኣብ ዝሓለፈ ዓመት መሰከረም ናይ መጀመርያ ፀብፃቡ ነቲ ቤት ምኽሪ ድሕሪ ምቕራቡ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታት ብዝለዓለ ብርኪ ምምሕያሽ ኣርእዩ እዩ።

ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ፕሪቶርያ ኣብ መንጎ ህወሓትን ፌዴራል መንግስትን ዝተበፅሐ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፤ ፌዴራል መንግስቲ ዝኣተዎ ቃል ተግባራዊ ምግባሩ ነቲ ዝተርኣየ ምምያሽ ፍሉይ ኣስተዋፅኦ ከምዘለዎ እቶም ኣካቢ ተዛሪቦም።

እቲ ስምምዕ ሰላም ስዒቡ፤ መንግስቲ ብዝኣተዎ ቃል መሰረት ናብ ስግግር ፍትሒ ዝወስዱ ስጉምትታት ምጅማሩ ብኣዎንታ ከምዝተቐበልዎ እውን ሓቢሮም።

ኣብቲ ዘተ ርኢቶ ዝሃበ ሕብረት ኣውሮፓ እውን፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ደረጃታት ዘማልአ ማዕቐፍ ስግግር ፍትሒ ተግባራዊ ንምግባር ዘርኣዮ ቁርፀኝነት ብምንኣድ እቲ ሕብረት ዘለዎ ልምዲ ንምክፋል ድሉው ምዃኑ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ዘተ ዝተሳተፉ ኣብ ቤት ምኽሪ ሰብኣዊ መሰላት ውሕመ ቀዋሚ ተወካሊ ኣሜሪካ ዝኾኑ ኣምባሳደር ሚቸል ቴይለር ኣብ መንጎ ህወሓትን መንግስትን ጎንፂ ናይ ምቁራፅ ስምምዕ ድሕሪ ምፍራሙ ዝተርኣየ ልዑል ምምሕያሽ ኣሜሪካ ብኣዎንታ ከምዝተቐበለቶ ብምግላፅ፤ ኢትዮጵያ ኩለ መዳያዊ ስግግር ፍትሒ ተግባራዊ ንምግባር ትገብሮ ዘላ ፃዕሪ ዝበረታታዕ እዩ ኢሎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም