ኣብ ዝቕፅል ክረምቲ ብሓደጋ ውሕጅ ጉድኣት ከየጋጥም ይስራሕ ኣሎ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ መጋቢት፣16/ 2015 (ኢዜአ)ኣብ ዝቕፅል እዋን ክረምቲ ዓመተ 2015 ዓ.ም ብሓደጋ ውሕጅ ጉድኣት ከየጋጥም እናሰርሐ ምዃኑ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ኣፍሊጡ።

ምክትል ኮሚሽነር ዘፈር ምንካይ ስግኣት ሓደጋ እቲ ኮሚሽን ይክፈለው ገ/መስቀል ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ 219 ተቓላዕነት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ፣ 180 ተቓላዕነት ሓደጋ ውሕጅን 104 ተቓላዕነት ሓደጋ ምህላል መሬትን ከምዘሎ ብዳህሳስ መፅናዕቲ ከምዝተኣንፈተ ገሊፆም፡፡

ዘጋጥሙ ሃንደበታዊ ሓደጋታት ብደረጃ ብምፍላይ ስራሕቲ ምንካይ ሓደጋ እናተሰርሑ ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም፡፡

ንሓደጋ ተቓላዕቲ ተባሂሎም ካብ ሞንጎ ዝተፈለዩ 284 ቦታታ፤ እቶም 168 ህፁፅ መፍትሒ ከምዝጠልቡ ኣመልኪቶም፡፡

ብፍላይ 55 ቦታታት ፍሉይ ጠመተ ከምዝደልዩ ተኣሚኑሎም ትኹረት ተገይሩ እናተሰርሐ ከምዝኾነ ኣረጋጊፆም፡፡

ተቓላዕነት ሓደጋ ውሕጅ ንምንካይ፥ ሕብረተሰብ ዝገብሮ ኣተኣላልያ ደረቕ ርስሓት ንሓደጋ ውሕጅ ብዘየቃልዕ መልክዑ ክኸውን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኣብ ዝተዛዘመ መንፈቕ ዓመት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ ዘጋጠሙ 206 ሓደጋታት እቶም 131 ብሓደጋ ባርዕ ሓዊ ዝተፈጠሩ ከምዝኾኑ ተገሊፁ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም