ሰሜን ኮሪያ ብድሮን ዝተሰነየ ፈተነ ኒውክሌር ውሽጢ ማይ አካይድ

342

ኣዲስ ኣበባ፣ መጋቢት፣15/ 2015 (ኢዜአ)መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን ኒውክሌር ናይ ምሽካም ዓቕሚ ን ዘለዎ ሰብ ኣልቦ ድሮን  ውሽጢ ማይ ብምጥቃም ፈተነ ምክያዳ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ገሊፁ፡፡

እታ ድሮን ካብ 80 ክሳብ 150 ሜትሮ ዐምቆት ኣብ  ዘለዎ ማይ ልዕሊ 59 ሰዓታት ምስ ተጓዓዘት ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ባሕሪ ከምዝተፈንጀረት ተጣሊሉ አሎ።

ኣብ ውሽጢ ማይ ምስተ ተኮሰት “ማዕበል ራዲዮኣክቲቭ” ክተልዕል ከምትኽእል እውን እቲ ፀብፃብ ወሲኹ ሓቢሩ፡፡

መራሒ ሰሜን ኮሪያ ኪም ጆንግ ኡን ነቲ ፈተነ ብላዕለዋይነት ዝመርሑዎ እንትኾኑ፥ ኣሜሪካን ደቡብ ኮሪያን “ሰሜን ኮሪያ ዘይተገደበ አጽዋር ኒውክሌር ብቕልጡፍ እናዓበየት ምዃና ምርዳእ  ከምዝግባእ ኣብሪሆም።

እቲ “ሚስጥራዊ መሳርሒ” ሰሉስ ካብ ግዝኣት ደቡብ ሃምጊዮንግ ውፅእ ኢሉ ኣብ ዝርከብ ማይ ከምዝተቐመጠ ተሓቢሩ።

“ሃኤይል” ዝብል ስያመ ዝተውሃቦ እቲ መሳርሒ፥ ናይ ፀላኢ መርከባትን ወደባትን ብልዑል ማዐበል ራዲዮኣክቲቭ ንምቅፃል ተሓሲቡ ዝተአመተ ከምዝኾነ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ፀብፂቡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም