መፅሓፍ “የመደመር ትውልድ” ንኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ናይ ምፍላጥ መርሃ ግብሪ ተሳሊጡ

326

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2015 (ኢዜአ) መፅሓፍ የመደመር ትውልድ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ተቐማጥነቶም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝኾኑ ዓለም ለኸ ኣባላት ዲፕሎማቲክ ማሕበረሰብ ናይ ምፍላጥ መርሃ ግብሪ ተሳሊጡ።

ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ኣምባሳደር ምስጋኑ ኣርጋ፥ እቲ መፅሓፍ ንዘጋጥሙ ዘለዉ ፀገማት ንምፍታሕ ዘኽእሉ ሓደሽቲ ኣንፈታት ሓባሪ ሓሳባት ዘካተተ ኢዩ ኢሎም።

ትውልዲታት ብሓባር ዝሓለፍዎ፣ ዝነበርሉን ዝነብሩሉን ሓሳባዊ ፍልጠት ብምሓዝ ንዝማዕበለት ሃገር ንምፍጣር ንክለዓዓሉ ዝገብር ሓሳብ ከምዘለዉ ገሊፆም።

ፕሬስ ሰክሬተሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ቢልለኔ ስዩም ብግደአን፥ እቲ መፅሓፍ ቅድም ኢሉ ዝነበረ ትውልዲ ምስ ናይ ፅባሕ ትውልዲ ዘተኣሳስርን ንሃገር ልዑል ግደ ዘለዎን ኢዩ ኢለን።

ሽይጣት እቲ መፅሓፍ ድማ ንዝተፈላለዩ ማሕበረሰብ ተኮር ልምዓታት ዝውዕል ከምዝኾነ አመልኪተን

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም