ኣብ ክልል ኣምሓራ ንመፃኢ ክራማት ልዕሊ 19 ሚልየን ፈልስታት ቡንን ፍራምረን ይዳሎ ኣሎ

653

ኣዲስ ኣበባ መጋቢት 14 2015 / (ኢዜኣ) ኣብ ክልል ኣምሓራ ንመፃኢ ክራማት ልዕሊ 19 ሚልየን ፈልስታት ቡንን ፍራምረን ይዳሎ ከምዘሎ ቢሮ ግብርና ክልል ኣምሓራ ኣፍሊጡ።

በዓል ሞያ ፍራምረን ኣትክልትን እቲ ቢሮ ኣይተ ግርማ በቀለ ንኢዜኣ ከምዝገለፅዎ፤ ጎና ጎኒ ልምዓት ዝራእቲ ሓረስቶት ኣብ ልምዓት ፍራምረን ቡንን ብምስታፍ ተጠቃማይነቶም ንምርግጋፅ እናተሰርሐ ምዃኑ ሓቢሮም።

ነዚ ድማ ኣብ መፃኢ ክራማት ዝትከሉ ልዕሊ 19 ሚልየን ፈልስታት ፍራምረን ቡንን ንምድላው ተተሊሙ። ዛጊድ 13 ነጥቢ 5 ሚልየን ፈልስታት ምድላዉ እውን ተዛሪቦም።

ካብቶም ፈልስታት 8 ነጥቢ 3 ሚልየን ፈልስታት ቡን እንትኾኑ ኣቮካዶ፣ማንጎ፣ፓፓየ፣ዘይትሁን፣ሙዝ፣ብርቱኳንን ኣፕልን ከምኡ እውን ካልኦት ፍራምረታት ይርከብዎም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም