ኣብ ሪያድ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቦረና ንዝተፈጠረ ድርቂ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ብር ሓገዝ ገይሮም - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ሪያድ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ቦረና ንዝተፈጠረ ድርቂ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ብር ሓገዝ ገይሮም

ካብ ኣብ ሪያድ ሱዑዲ ዓረብያ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፣ ብሰራሕተኛታት ኢምባሲ ከምኡ እውን ብሕብረትን በብውልቀ ካብ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባትን እቅብ ቦረና ብዝተፈጠረ ድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ብር ምእካብ ተኻኢሉ እዩ።
ሎሚ ዕለት እውን ኣባላት ኣብ ሪያድ ዝርከብ ማሕበር ኣክስዮን ኦና ጃርሶ ኣብ ቦረና ብዝተፈጠረ ድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት 500 ሽሕ ብር ሓገዝ ገይሮም።
ኣብ ሪያድ ሱዑዲ ዓረብያ ኢምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ቦረና ብዝተፈጠረ ድርቂ ንዝተጎድኡ ወገናት ብዝተገበረ ምትእኽኻብ ሓገዝ ኣብ ሪያድ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን፣ ብሰራሕተኛታት ኢምባሲ ከምኡ እውን ብሕብረትን በብውልቀ ካብ ዝተፈላለዩ ውልቀሰባትን ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ብር ምእካብ ተኻኢሉ።
ኣብቲ መዓልቲ እውን በዓል ምሉእ ስልጣን ፌዴሪኢ ኣምባሳደር ሌንጮ ባቲን ኣብቲ ኤምባሲ ሓላፊ ጉዳያት ዲያስፖራ ኣይተ ተድላ ጋቲስ ተረኺቦም፣ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራዊ ፃውዒታት ብምስታፍ ኣብ ጎኒ ወገን ደው ብምባል ንዝገብርዎ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪቦም።