ጀርመን ንኢትዮጵያ ሓዊሱ ብድርቂ ንዝተጎድኣ ሃገራ ዝውዕል ሓገዝ 25 ሚሊየን ዩሮ ገይራ

307

ኣዲስ ኣበባ፣መጋቢት፣13 / 2015 (ኢዜአ)መንግስቲ ጀርመን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ሶማሊያ ፣ኬንያን ሱዳንን ብድርቂ ንዝተጎድ ዜጋታት ዝውዕል ሓገዝ 25 ሚሊዮን ዩሮ ገይሩ፡፡

እቲ ሓገዝ ብትካል ምግቢን ሕርሻን ዓለም (ፋኦ) ኣቢሉ ዝተበርከተ እንትኸውን፥ ፋኦ ነቲ ሓገዝ ካብ መንግስቲ ጀርመን ከምዝተረከበ ኣፍሊጡ፡፡

ፋኦ ኣብ ፅብፃቡ፥ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘጋጠመ ድርቂ ስእነት ውሕስና ምግቢ እናስዐበ ከምዝኾነን ኣብ ኢትዮጵያ፣ ኬንያ፣ ሶማሊያን ሱዳንን 22 ሚሊየን ሰባት ህፁፅ ሰብኣዊ ርዳእታ ከምዘድልዮምን ገሊፁ፡፡

ብምኽንያት እቲ ድርቂ ብዙሓት እንስሳ ዘቤት ከምዝሞታን ብዙሓ ሰባት ካብ መረበቶም ከምዝተመዛበሉን ኣመልኪቱ፡፡

እቲ ሓገዝ ገንዘብ በቲ ድርቂ ንዝተጎድኡ ከባቢታት ሰብኣዊ ሓገዛት ተበፃሒ ንምግባርን መሊስካ እግሪ ንምትካልን ልዑል ኣስተዋፅኦ ከምዝገብር ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ሓደ ሚሊየን ዜጋታት ንምርዳእ ዘኽእል ኢዩ ተባሂሉ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም