ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ጊኒ ንትገብሮ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናብ ሞሮኮ ኣቲያ

550

 

ኣዲስ ኣበባ፣  መጋቢት ፣12 / 2015 (ኢዜአ)ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ምስ ጊኒ መዘናኣ ንእትገብሮ መፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ ናብ ሞሮኮ ኣቲያ።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ብኣሰናዳእነት ኮትዲቯር ኣብ ዝካየድ መበል 34 ፅዋዕ ኣፍሪካ ንምስታፍ ምስ ሃገራዊት ጋንታ ጊኒ ናይ ምድብ መፃረዪ ፀወታኣ 15ን 18 መጋቢት 2015 ዓ.ም ኣብ ሞሮኮ ክትገብር ኢያ።

ኣሰልጣኒ እታ ሃገራዊት ጋንታ ውበቱ ኣባተ፥ ን23 ተጻወትቲ ፃውዒት ብምቕራብ ካብ 6 መጋቢት 2015 ዓ.ም ጀሚሮም ልምምድ እናገበሩ ፀኒሖም።

ዋልያታት ብቅድሚ ትማሊ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሳይንስን ቴክኖሎጂን ኣዳማ ምስ ሩዋንዳ መዘነኦም ኣብ ዝገበሩዎ ፀወታ መለክዒ ቅዋም ብብሕታዊት ሸቶ ከነኣን ማርክነህ 1 ን 0 ምስዓሮም ይፍለጥ።

ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ኣብመፃረዪ ፀወታ ፅዋዕ ኣፍሪካ፥ ኣብ ምድብ ኣርባዕተ ምስ ግብፂ፣ ማላዊን ጊኒን ተደልዲላ ትርከብ፡፡

ክሳብ ሕዚ ብዝገበረቶም ክልተ ፀወታታት ድማ ብሰለስተ ነጥቢ ብሓደ ንፁህ ሸቶ ምድባ እናመርሐት ከምትርከብ ኢዜአ ፀብፂቡ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም