“ዝሓበራያ ኣፃብዕትስ ኣርቃይ የፀምብዓ” እዩሞ፤ ፀገማት በዲህና፥ ህዝብና ንምኽሓስ ንሕበር !! -ዶ/ር ኣብርሃም በላይ - ኢዜአ ትግርኛ
“ዝሓበራያ ኣፃብዕትስ ኣርቃይ የፀምብዓ” እዩሞ፤ ፀገማት በዲህና፥ ህዝብና ንምኽሓስ ንሕበር !! -ዶ/ር ኣብርሃም በላይ

ህዝብና-ህዝቢ ትግራይ፥ ገጢሙዎ ዘሎ ፀገም ሕልኽላኽን ብዙሕ ዝዓይነቱን እዩ። እዚ ፀገም ንምስጋር ድማ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ፅንኩር ሓድነትን ሕብረትን ዝጠልብ ምዃኑ ምርዳእ ኣድላዪ እዩ። ኣይኮነን ዶ ፋሕ-ጭንግራሕ ኢልና ነንበይንና ኮይንና፣ ሓቢርናን ካልኦት ህዝብታትን ሓይልታትን ኣብ ጎድንና እንተዘየሰሊፍና ብቐሊሉ እንፈትሖ ፀገም ኣይኸውንን እሞ-ንሕበር!
ህዝብና፥ እቲ ክሳብ ሐዚ ዝበፅሖ ወድዓዊ ፀገም ይኣኽሎ-ረብሪቡ። ሓዱሽ ብሩህ ተስፋ እንሄልካ! ንበሎ-ንፅባሕ ወለዶ ዝእምተሉ። ተሳጋራይ ህዝቢ እምበር፤ ተሳጋራይ መሪሕነት ግድን ኣይኮነን። ኢደይ ኢድካ ኢልና ኣብ እዋናዊ መፍትሒ ፀገማት ህዝብና ነድህብ፣ ንረባረብ፡፡
ስለዝኾነ ድማ፣ ሕልኽላኽ ፀገማትና ፍታሕ ክረክብ፣ ቆላሕታና ናብ ልምዓትን ዕብየትን ክኸውን፣ ወድዓዊን እዋናውን ኩነታት ህዝብና ተረዲኡ፣ ብብልሕን ውሕልናን ዝመርሕ ሓላፍነት ዝስምዖ መሪሕነት ኣብ ሓፂር ጊዘ ክንፈጥር ግድን እዩ፡፡ ኣብ ሕብይብይን ሻማ-ሻማ ስልጣንን እንተጥሒልና፣ ገጢሙና ዘሎ ሽግርን ፀበባን ዘይናወሐሉ ምኽንያት ኣይክህሉን እሞ ኩሉ ትግራዋይ ብፍላይ ድማ መንእሰይ ሓዱሽ ወለዶ፣ ሓድነትና ኣጠናኺርና ህዝቢን ዓድን ዘሕዊ ስራሕ ንምስራሕ ንዳሎ፤ ዕርፊ ነፅንዕ፤ እጃምና ነወፊ፤ ሓላፍነትና ንዋፃእ።
እዚ እዋን ዓድናን ህዝብናን እነሕዉየሉ፣ ብሩህ ተስፋ ህዝብና እነረጋግፀሉ፣ ልምዓትን ዳግመ-ህንፀትን ትግራይ እነበስረሉ እምበር፣ ዓፀባን ከርፋሕ ናብራን ህዝብና ረሲዕና ከምደቂ ዛግራ ፋሕ-ጭንግራሕ እንብለሉን ነንባዕልና ንተሓላለኸሉን እንናኸሰሉን እዋን ኣይኮነን-ህዝቢ ይቐድም። ንህዝብና ብቕንዕና ዘገልግሉ ብሉፃት ሰባት መሪሕነት ጊዝያዊ ምምሕዳር ክወስዱ ምግባር ይግባእ እንበር፣ ስልጣን እንሻመየሉ፣ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ውድባት እነቐድመሉን ንተፋነነሉን እዋን ኣይኮነን።
መሪሕነት ጊዝያዊ ምምሕዳር ምውሳድ ማለት፥ መፈፀሚ ስራሕቲ ፖለቲካ ውድባትን ውልቀ-ሰባትን ኣይኮነን። ወኪል ዝኾነ ይኹን ውድብ ኮነ ፓርቲ ኮንካ ናብ ኮረቻ መሪሕነት ዝሕኮረሉ እውን ኣይኮነን፡፡ እኳድኣስ ህዝብና ናብ ንቡር ናብርኡ ዝምልሱ ግልጋሎታት መንግስትን ውልቀን ዘጀምር፣ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ብዕሊ ናብ ግብሪ ዝልውጥ፣ ካብ ኩሉ ዓንደፍቲ ዝተመዛበሉ ክፋል ማሕበረሰብና ናብ መረበቶም ክምለሱ ዝገብር፣ ዝተጎድኡ ክፋል ሕብረተሰብና ድማ ግቡእ ስልጠናን ድጋፍን ብምሃብ ናብ ንቡር ናብራ ክምለሱ ብዕቱብ ምስራሕን ከምኡ እውን ደሕንነትን ሰላምን ህዝቢ ትግራይ ብቐፃልነት ክረጋገፅ ዘኽእል ፅዑቕ ስራሕን ሓላፍነትን ዘለዎ ምዃኑ ኣድሚኻ ምርዳእ ኣድላዪ እዩ።
ስለዝኾነ ድማ፥ ኣብዚ እዋን እዚ፣ ፅንኩር ሓድነት ተጋሩ ዝጠልብ፣ ቆላሕትኡን ዕማሙን ደሕንነትን ሰላምን፣ ዳግመ ህንፀት ትግራይን ህዝቢ ትግራይን ዝገበረ ውሕሉል ኣመራርሓ ዝፍጠረሉ፣ ኣብ ቀፃሊ ኣብ ዝህሉ ከይዲ መሪሕነት ዲሞክራሲ ዘይዕፈነሉ፣ ኣፈላላይ ሓሳብ ዝኽበረሉ፣ ነፃን ፍትሓዊን መረፃ ንምክያድ ዘኽእል ጥጡሕ ባይታ ዝውሕሰሉ ኩነታት እንፈጥረሉ እዩ።
እዚ ባህጊን ትምኒትን ህዝብና፣ ዋኒን ኩሉ ምሁር፣ መራሕቲ ሃይማኖትን ቤተ-እምነትን፣ ዓበይቲ ዓዲ፣ ፖለቲከኛታት፣ መናእሰይ፣ ደቂ ኣነስትዮ፣ ኣብ ኩሉ ኩርናዕ ዓለም ዝነብር ዳያስፖራ ወዘተ. ክኸውን ይግባእ። ኩሉ በብዓቕሙ ኣብ ትልሚን ግብሪን ሰላምን ህድኣትን፣ ከምኡ እውን ዳግመ ህንፀት ትግራይ እጃሙ ከወፊን እሂን-ምሂን ኢሉ ተግባራዊ ምንቅስቓስ ክንጅምር ይግባእ።
ብኣንፃሩ፥ ዝረኣዩ ዘለዉ ኣፈላላያትን ኣካይዳን ፖለቲካ እዋኖም ዘይሓለው፣ ኣብ ከይዲ ኣብ ዝግበር መረፃ መንግስቲ ትግራይ ትፅቢት ዝግበረሎም እምበር ኣብ ምጥያሽ ጊዝያዊ ምምሕዳር ፈፂሞም ክረኣዩ ዘይነበሮም እዮም። እዚ እዋን “ከምሰናይ”ተጓንፎ ተጠቒሙ ንፖለቲካ ረብሓ ከውዕል ዝደሊ ውዳበ ይኹን ሓይሊ፣ ሐዚ ዘሎ ድለየት ህዝብናን ኩነታት ህዝብናን ዝንቡዕ ብዝኾነ መንገዲ ዝተረደአ ሓይሊ ምዃኒ ልቢ ኽንብል ይግባእ።
ህዝብና ናብ ንቡር ናብርኡ ኣብዘይተመለሰሉ፣ ሙሉእ ህድኣትን ሰላምን ኣብዘይተፈጠረሉ፣ ዝተጀመረ ኸይዲ ስምምዕ ሰላም ኣብዘይተኸምበተሉ፣ ንህዝብና ካብ ዘለዎ ፀገም ንምስጋር ዘኽእል ጊዝያዊ ምምሕዳር እንበር፣ ህዝብና ዝመረፆ መንግስቲ ኣብዘይተፈጠረሉ፣ “ስጋኻ ንዓኻ”! ክንበሃሃል ህዝብና ኣብ ዝፅበየሉ መተዓዛዘቢ እዋን ፃምእ ስልጣን ንምርዋይ ምፅዓር ኮነ ግላዊ ድልየት ንምርግጋፅ ምጉያይ ጌጋ እዩ፡፡
“ቀጣንያ መዓልትስ መተዓዛዘቢ”! እዩ `ሞ፣ ኣብዚ እዋን እዚ ስልጣን “ንዓይ-ንዓይ!” ክንበሃሃል ዓገብ እዩ፡፡ ብዝኾነ ይኹን መለክዒ እውን ህዝቢ ዘቐድምን ጥዕና ዘለዎ ኣጀንዳን ክኸውን ኣይኽእልን፡፡
ስለዝኾነ እውን፥ “ጊዜ እንተለካ-ጊዜ ኣይትፀበ”! ከምዝበሃል፣ ኩሉ ትግራዋይ ኣፈላላያት ኣፅቢቡ፣ ሓድነቱ ኣጠናኺሩ፣ ህልው ወድዓዊ ኹነታት ህዝብና ተረዲኡን ኣስተንቲኑን፣ ንሕውየትን ዳግመ-ህንፀትን ትግራይ ሓንጎፋይ! ኢሉ ተቐቢሉ፣ ኣብ ጎኒ ዝጣየሽ ጊዝያዊ ምምሕዳር ትግራይን ፌደራል መንግስቲን ኮይኑ ብዕቱብ ክሰርሕ ፃውዒተይ የቅርብ ::
ዘላቂ ሰላምን ህድኣትን ህዝብና ክሰምር- ኩሉ ትግራዋይ ይሕበር!!