ሊግ ዓረብ ንሊግ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኣመልኪቱ ዘውፀኦ መግለፂ ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበሎ ገሊፃ - ኢዜአ ትግርኛ
ሊግ ዓረብ ንሊግ ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኣመልኪቱ ዘውፀኦ መግለፂ ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበሎ ገሊፃ
ኣዲስ ኣበባ፣ መጋቢት 2 ፣ 2015 ዓ/ም (ኢዜኣ) ሊግ ዓረብ ንሊግ ህንፀትን ምልኢት ማይን ዓብዪ ግድብ ሕዳሰ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ትማሊ ዘውፀኦ መግለፂ ቅዋም ኢትዮጵያ ከምዘይትቕበሎ ገሊፃ።
እቲ ሊግ ኣብ ዘውፀኦ መግለፂ ቅዋም ንግብፂ ዝወገነ መግለፂ ምዃኑ ዝፍለጥ እንትኸውን፤ እቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ መንግስቲ ኢትዮጵያ መግለፂ ኣውፂኡ፡፡
ኣብ መግለፂኡ ድማ ስራሕቲ ህንፀትን ምልኢት ማይን ግድብ ሕዳሰ ናይ ምምሕዳር ስራሕ ንዝምልከተን ተፋሰስቲ ሃገራተ ኣፍሪካ ክሕደግ ከምዝግባእ ኣገንዚቡ፡፡
ሊግ ዓረብ ጉዳይ እቲ ግድብ ዝምልከተን ተፋሰስ ሃገራት ከምዘለዋ ንምዝኽኻር ኣይንደልን ዝበለ እቲ መግለፂ፤ እቲ ሊግ መሰረታዊ ዓለም ለኸ ሕጊ ብዘየኽበረ መልክዑ ኣቐባሊ ቃል ሓንቲ ሃገር ብምዃን እናገልገለ ከምዝርከብ ገሊፁ፡፡
መምርሒ ሕብረት ኣፍሪካ “ንኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ መፍትሒ”ብምኽታል ኢትዮጵያ፣ ሱዳንን ግብፅን ንምቅርራብ ሰለስታዊ ድርድር እናመዓራረየ ምፅንሑ ዝሓበረ እቲ መግለፂ፤ “ኣካይዳ እቲ ሊግ ስሕተት እዩ” ክብል ኮኒኑ፡፡
ግብፂ ኣብ ጉዳይ ሩባ ኣባይ ብምኽንያት ዓርሰ ፍትወት ተልዕሎ ሕቶ ይግበአኒ ነቲ ድርድር ከምዘደንጎየቶ እቲ መግለፂ ኣመልኪቱ፡፡
ይኹን እምበር መንግስቲ ኢትዮጵያ ብሕብረት ኣፍሪካ ዝምራሕ ከይዲ ድርድር ብፅኑዕ ከምዝድግፍ ገሊፁ፡፡
ብምዃኑ መንግስቲ ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን መጋቢት 2015 ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያ፣ ግብፅን ሱዳንን ዝተፈረመ ኣዋጅ ስምምዕነት ብምምኽታል ህንፀትን ምልኢት ማይን እቲ ግድብ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።