መድረኽ ሓዱሽ ምዕራፍ ንጠቐመሉ

1070

እዚ ታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኣብ ትግራይ ብዙሕ ሓሳባትን ውድባትን ናብ መሪሕነት ዝመፅእሉ ኩነታት ይፈጥር ኣሎ፡፡ ኣብ ትግራይ ዝነበረ ሓደ ውድብን ኣተሓሳስባን እናተረፈ ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን ኣብ ትግራይ ዝንቀሳቐሳሉን ኣብ ፖለቲካ ትግራይ እጃሞም ዘወፍይሉን ታሪኻዊ ምዕራፍ ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ እቲ ምዕራፍ ኣብ ፖለቲካ ምህዳር ትግራይ ምዝዛም ወናንነት ሓደ ሓሳብን ውድብን እንትኾን ብካሊእ መዳይ ድማ መባእታ ተሳትፎ ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን እዩ፡፡ እዚ ዕድል ዋላ ድሕሪ ብዙሕ ዕንወትን ኺሳራን ብታሪኽ ኣጋጣሚ ድሕሪ ኣርብዓን ሸሞንተን ዓመታት ዝተረኸበ ይኹን ብዝግባእ ምጥቃም ግድን ይኸውን፡፡
እዚ ታሪኻዊ ምዕራፍ ኣብቲ ስምምዕነት ሰላም ፕሪቶሪያ ናይ ስግግር ስጉምትታት ኣብ ዝብል ዓንቀፅ ዓሰርተ( 1) መሰረት ብመረፃ ቦርድ ኢትዮጵያ ኣቢሉ ቤት ምኽሪ ክልልን ፌደራልን መረፃ ክሳብ ዝግበር፣ ብኽልቲኦም ወገናት ብዝግበር ምይይጥ፣ ንኹሉ ዝሓቖፈ ክልላዊ ስግግር መንግስቲ ክጣየሽ እዩ ብዝብል ድንጋገ ዝተረኸበ እዩ፡፡ በዚ ዓንቀፅ ድንጋገ መሰረት ኣብ ትግራይ ክልላዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ጋህዲ ክኸውን እዩ፡፡ እዚ ዕድል ከይባኽን ግና ብዝግባእ ምጥቃም ኣድላይ እዩ፡፡ ህወሓት ኮነ ካልኦት ፖለቲካዊ ሓይልታት ትግራይ ብኣውርኡ ድማ ህዝቢ ትግራይ እዚ ተረኺቡ ዘሎ ፅቡቕ ዕድል ብዝግባእ ክጥቀሙሉ ግድን ይኸውን፡፡በዚ ድማ ኣብ ትግራይ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ህዝብታት ብዝግባእ ዝኽበሩሉ፣ህዝቢ ትግራይ ተረባሒ ሰላምን ልምዓትን ዝኾነሉ ዕድል ምስፋሕ ይከኣል፡፡ እዚ ውፅኢት ስምምዕነት ሰላም ዝኾነ ሓዱሽ ምዕራፍ ኣብ ትግራይ ስርዓት ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን ንክህልው ብምግባር ዴሞክራሲያዊ ምህዳር እቲ ክልል ክሰፍሕ ዝገብር እዩ፡፡
ስለዚ እዚ ሓዱሽ መድረኽን ናይ ስግግር ምዕራፍን ብዝግባእ ምጥቃም ድማ የድሊ፡፡ ኣብ ትግራይ ኣብ ዝምስረት መሰጋገሪ መንግስቲ ኩሉ ዝሓቖፈ ንክኸውን ኣብቲ ስምምዕነት ብግልፂ ተቐሚጡ ኣሎ፡፡ እዚ ማለት ኣብ ትግራይ ዓብላሊ ድምፂ ክህልዎ ዝግባእ ፖለቲካ ውድብ የለን፤ ወይ ክህሉ ኣይግባእን ማለት እዩ፡፡ ኩሉም ሓሳባትን ውድባትን መዐቀኒኦም ረብሓ ህዝቢ ትግራይ ኣብ ምምላእ ዘለዎም ዓቕምን ፍልጠትን እዩ፡፡ ዘለናዮ ምዕራፍ ድማ ድምር ዓቕምን ፍልጠትን ኣድላይ ዝኾነሉ ምዕራፍ እዩ፡፡
በዚ መሰረት ንዝሓለፉ ኣርብዓን ሸሞንተን ዓመታት ኣብ ትግራይ ዝነበረ ናይ ሓደ ውድብ ሓሳብን ፕሮግራምን ናብ ብዙሓት ሓሳባትን ውድባትን ዝሳገረሉ ሓዱሽ ምዕራፍ እዩ፡፡ ዝተፈላለዩ ብዙሓት ሓሳባት ዘለዎም ውድባት ኮነ ውልቀ ሰባት ዝሳተፉሉ ስለዝኸውን ኣብ ትግራይ መሰረታዊ ለውጢ ንምምፃእ ሰረት ዘንብር ብምዃኑ እቲ ከይዲ ዕውት ንክኸውን ምስራሕን ብዝግባእ ምጥቃምን ግድን ይኸውን፡፡
ድሕሪ ሕዚ ኣብ ትግራይ ብናይ ሓደ ውድብ ሓሳብን ፕሮግራምን ዝውነን ስርዓት ክህሉ የብሉን፡፡ እዚ ሓሳብን ፕሮግራምን ንዝሓለፉ ሓምሳ ዓመታት ተራእዩ ኣሎ፡፡ ድኽመትን ጥንካረኡን እውን ህዝቢ ፈሊጥዎ ኣሎ፡፡ ስለዚ ኣብዚ ሓድሽ ምዕራፍ ስግግር ንትግራይን ንህዝቢ ትግራይን ካብዚ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ዘውፅእ ምችው ኩነታት ንምፍጣር ኩሎም ዓቕምታት ተጋሩ ምጥቃም ይግባእ፡፡
ሕዚ ኣብ ትግራይ ሰብኣውን ዴሞክራሲያውን መሰላት ወዲ ሰብ ብዝተማልአ መልክዑ ዝኽበርሉ መስርሕን ስርዓትን ንምትእትታው ዕድል ተፈጢሩ ኣሎ፡፡ ንዚ ድማ ኣብቲ ዝጣየሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ኩሉ ሰብ ንቑሕ ተሳትፎ ክገብር ይግባእ፡፡ እዚ ምዕራፍ ንትግራይ ሓዱሽ ምዕራፍ ስለዝኾነ ክባኽን የብሉን፡፡ ኣብዚ ከይዲ ስግግር ዝተፈላለየ ሓሳብን ኣመለኻኽታን ዘለዎም ሓይልታት ንፈለማ እዋን ምስ ህወሓት ሓቢሮም ዝሰርሕሉ ኩነታት ይፍጠር ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ባህሊ ዴሞክራሲ ትግራይ ዝልውጥን ትግራይ ልዕሊ ሓደ ውድብ ምትእንጋድ ከምትኽእል ዘረጋግፅን ስለዝኾነ ኩሎም ፖለቲካዊ ሓይልታት፣ምሁራት፣ዲያስፖራታት፣ሲቪክ ማሕበራት፣ዝተፈላለዩ ውዳበታት ብቐንዱ ድማ መላእ ህዝቢ ትግራይ እዚ ናይ ስግግር ዕድል ብዝግባእ ንምጥቃም ክረባረቡ ይግባእ፡፡

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም