ኣብ ትግራይ ትምህርቲ ንምጅማር ዝከኣለሉ ኩነታት ኣመልኪቱ ዝዝቲ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ናብ መቐለ ክጓዓዝ እዩ - ኢዜአ ትግርኛ
ኣብ ትግራይ ትምህርቲ ንምጅማር ዝከኣለሉ ኩነታት ኣመልኪቱ ዝዝቲ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ናብ መቐለ ክጓዓዝ እዩ
ኣዲስ ኣበባ፣ ጥሪ 18 ፣ 2015 ዓ/ም (ኢዜኣ) ኣብ ትግራይ ትምህርቲ ንምጅማር ዝከኣለሉ ኩነታት ኣመልኪቱ ዝዝቲ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለውዎ ጉጅለ ልኡኽ ሎሚ ናብ ከተማ መቐለ ከምዝጓዓዝ ተገሊፁ።
ኣብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ምምሕዳርን መሰረተ ልምዓትን ዶክተር ሰለሞን ኣብርሃ ከምዝበልዎ፤ እቲ ጉጅለ ኣብ ትግራይ ላዕለዋይን ሓፈሻውን ትምህርቲ ንምጅማር ኣብ ዘኽእሉ ጉዳያት ንምዝታይ እዩ ናብ መቐለ ዝጓዓዝ።
ኣብ ፃንሒቱ ምስ ኣመራርሓ ዩንቨርስቲታት መቐለን ዓዲግራትን ከምዝዛተ ድማ ተዛሪቦም።
ብተወሳኺ ኣብቲ ክልል ሓፈሻዊ ትምህርቲ ዳግማይ ንምጅማር ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ዘተ ከምዝግበር ሓቢሮም።