ኣብ መመሓየሺ ፖሊሲ ትምህርትን ስልጠናን ጠመተ ዝገበረ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥሪ 15፣ 2015 ዓ/ም (ኢዜኣ) ሚኒስቴር ትምህርቲ ምስ ሙሁራን ኣብ መመሓየሺ ፖሊሲ ትምህርትን ስልጠናን ጠመተ ጌሩ ዘተ የካይድ ኣሎ።
ኣብቲ መድረኽ ዘተ፤ ሚኒስትር ትምህርቲ ፕሮፌሰር ብርሃኑ ነጋ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ ዓውዲ ትምህርቲ ተሳቲፎም፡፡
ኣድላይነት ምምሕያሽ እቲ ፖሊስን ቀንዲ ቀንዲ ቁምነገራትን ዝምልከት ገለፃ ተገይሩ፡፡
በዚ ድማ ምጉዳል ፅሬት ትምህርቲ ንምትራፍን ዘበኑ ዝምጥን ኣካይዳ ንምኽታልን ምምሕያሽ እቲ ፖሊሲ ኣድላይ ከምዝኾነ ተመልኪቱ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም