በዓል ጥምቀት ኣብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊካዊት ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ተኸቢሩ - ኢዜአ ትግርኛ
በዓል ጥምቀት ኣብ ቤተ ክርስትያን ካቶሊካዊት ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ተኸቢሩ
ኣዲስ ኣበባ ፣ጥሪ 11 ፣2015 ዓ/ም (ኢዜኣ) በዓል ጥምቀት ኣብ ቤተክርስትያን ካቶሊክ ኢትዮጵያ ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስነ ስርዓታት ኣብ ልደታ ማርያም ካቶሊካዊት ቤተክርስትያን ተኸቢሩ።
ኣብቲ በዓል ብዝተፈላለዩ ሃይማኖታዊ ስርዓታት ብቕዳሰ፣ብፀሎትን ብዝማሬን ዝተኸበረ እንትኸውን፤ ኣብቲ ስነ ስርዓት ኣቦታት ሃይማኖት፣መእምናን፣ ሰዓብቲ እምነትን ካልኦት ኣጋይሽን ተረኺቦም።
ሊቀ ጳጳስ ቤተ ክርስትያን ካቶሊካዊት ኢትዮጵያ ብፁዕ ካርዲናል ብርሃነ ኢየሱስ ሱራፌል፤ በዓል ጥምቀት እንትነኽብር ንሰንሳትና ብምፍቓር፣ብምትሕስሳብን ብሓድነትን ክኸውን ይግባእ ኢሎም።
ኣስዒቦም ምእመናን በዓል ጥምቀት እንተኽብሩ ሰናይ ስራሕ ብምስራሕ ክኸውን ከምዘለዎ ኣተሓሳሲቦም።