ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶሪያ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ ዓለም ዘለዋ ተቐባልነት ወሲኹ

2018

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥሪ 9፣ 2015 ዓ/ም (ኢዜኣ) ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ብዝተፈጠረ ኲናት ነቲ ኣብ ደገ ዝስራሕ ዲፕሎማሲ ዓብይ ፈተና ኮይንዎ ከምዝነበረ ኣንባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ጋና ኣምባሳደር ሃደራ ኣበራ ሓቢሮም ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ሃገርና ዝተፈጠረ ጎንፂ ስዒቡ ኢትዮጵያ ንስእነት ሰላምን ዘይምርግጋዕን ኣቃሊዑዋ ከምዝፀንሐ ዝገለፁ እቶም ኣምባሳደር፤ ኣብ ውሽጢ ዓዲ ምርግጋዕ ዘይምህላዉ ድማ ነቲ ኣብ ደገ ዝስራሕ ዲፕሎማሲ ዓብይ ፈተና ከምዝነበረ ተዛሪቦም።
ስለዝኾነ ኣፍሪካዊ ፀገማት ኣፍሪካዊ ፍታሕ ንምርካብ ብሕብረት ኣፍሪካ ኣቢሉ ዝስራሕ ዘሎ ስራሕቲ ይበል ዘብል ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብተወሳኺ እቲ ስምምዕ ሰላም ብኣፍሪካውያን ይኹን ኣውሮፓውያን ልዑል ተቐባልነት ከምዝረኸበ ብምግላፅ፤ እቲ ከይዲ ኣብ ዓብይ ግድብ ህዳሰ ኢትዮጵያ እውን ንክቕፅል ብዕቱብ ይስራሕ ምህላው ብምሕባር ድሕሪ ስምምዕ ሰላም ፕሪቶርያ ኢትዮጵያ ኣብ መድረኽ ዲፕሎማሲ ዓለም ዘለዋ ተቐባልነት ክብ ምባሉ ገሊፆም።
ከም ኣገላልፃ ኣምባሳደር ሃደራ፤ ህዝቢ ትግራይ ካብቲ ኣትይዎ ዘሎ ፀገም ንክናገፍ ዋላ ኳ ናይ ኩሉ ዜጋ ሓላፍነት እንተኾነ መንግስትን ዲያስፖራን ግና ዝለዓለ እጃም ከምዘለዎም ሓቢሮም።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም