ዓለም ለኸ ሊግ ሙስሊም ምስ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ተዛትዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ ጥሪ 2፣ 2015 ዓ/ም (ኢዜኣ) ዓለም ለኸ ሊግ ሙስሊም ምስ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ኣብ ዳግማይ ህንፀት ብኲናት ዝተጎድኡ ከባብታት ጠመተ ዝገበረ ዘተ ኣካይዱ።
ብመሪሕነት ፕሬዚዳንት ላዕለዋይ ቤት ምኽሪ ጉዳያት እስልምና ኢትዮጵያን ላዕለዋይ ተፀዋዒ ትካላት ሃይማኖት ኢትዮጵያን ዝኾኑ ሸይኽ ሐጂ ኢብራሒም ቱፋ እቲ ጉጅለ ልኡኽ ዓለም ለኸ ሊግ ሙስሊም ምስ ፓትሪያርክ ኦርቶዶክስ ተዋህዶ ቤተ ክርስቲያን ኢትዮጵያ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማቲያስ ኣብ ቤት ፅሕፈቶም ብምርካብ ኣብ ዝተፈላለዩ ናይ ሓባር ጉዳያት ዘትዩ።
ኣብ ኣውሮፖ ዋና ዳይሬክተር ኣሜሪካን ኣብቲ ሊግ ዋና ፀሓፍ ዶክተር ሙሐመድ ዓብዱል ከሪም ኣልጊሳ ሓጋዚ ዝኾኑ ዶክተር ዓብዱል ኣዚዝ ሰርሃን ዝተመርሐ ልኡኽ፤ ንሸይኽ ሓጂ ኢብራሂም ቱፋ ብመሰረት ዘቕረቦ ሕቶ እዩ እቲ ዘተ ተሳሊጡ።
ዶክተር ዓብዱል ኣዚዝ ሰርሃን፤ ኣብ ኢትዮጵያ ብዝነበረ ኲናት ዝተጎድኡ ከባብታት መሊስካ እግሪ ንምትካልን ንሕብረተሰብ ደገፍ ንምግባርን ትልሚ ከም ዘለዎም ሓቢሮም።
እቲ ዘተ ሃገራዊ ሓድነት ኣብ ምጥንኻርን ብምትሕብባር ምስራሕን ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ዘተኮረ ከምዝነበረ ካብቲ ቤት ምኽሪ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

የኢትዮጵያ ዜና አገልግሎት
2015
ዓ.ም